Fana: At a Speed of Life!

መፃኢ ግዜ ንኢትዮጵያ ተስፋ ዝህብን ብሩህን እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) መፃኢ ግዜ ንደቅናን ንኢትዮጵያን ተስፋ ዝህብን ብሩህን እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ካብ ነዳዲ ናብ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ዝተቐየሩ ፈለሞት 26 ኣውቶቡሳት ከተማ ኣብ ስራሕ ኣብ ዘዋዓልሉ እዋን ከምዝበልዎ፣ ሃገር ብሓደ መዓልቲ ወይ ብሓደ ወለዶ ኣይትህነፅን፤ ሃገር ምህናፅ ዝተሓላለኸ ከይዲ ኣለዎ።

ጋዝ ከነውፅእ ኢና ኢልና ጋዝ ከነውፅእ ክኢልና ኢና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምዝራብ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንዘጋጥሙ ብድሆታት ሰጊርካ እቲ ስራሕ ዛዚምካ ንረብሓ ህዝቢ ምውዓል መለክዒ ሓደ መንግስቲ እዩ ኢሎም።

እንብሎ ናብ ተግባር ምቕያር መለለዪ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ክሳብ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ እዚ ኣረኣእያ፣ ሕዚ ኣብ ኣፍሪካ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ እንብሎ ይፍፅም እዩ ዝብል እምነት እናጎልሐ መፂኡ ኣሎ ኢሎም።

ወፃኢ መጓዓዝያ እንተቐኒስና፣ ሕዚ ብዝጀመርናዮ ፕሮግራም መንበሪ ገዛ ብዝከኣለና መጠን እንተቕሪብና፣ ኣብ ምግቢ ዝጀመርናዮ ስራሕ እንተሰሪሕና፣ ለውጢ ከነምፅእ ኢና ክብሉ ኣገንዚቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ምግቢ፣ መጓዓዝያን መንበሪ ገዛን ንሰባት ይፅገሙ ከምዝኣተዉ ብምሕባር፣ እዞም ሰለስተ ጉዳያት እናተፈትሑ ምስ ዝኸዱ ሰባት ምስ ዘለዎም እቶት ዝበለፀ ምቹእ ህይወት ንኽመርሑ ዘኽእሎም ዕድል ከምዝረኽቡ ኣመልኪቶም።

ተስፋ ኢትዮጵያ ብብዙሕ መንገዲ እናተራእየ ምዃኑ ብምሕባር፣ ኣብ ልምዓታ ኣዝዮም ዘተባብዑ ውፅኢታት እናተራእዩ እዮም ኢሎም።

መፃኢ ግዜ ንደቅናን ንኢትዮጵያን ተስፋ ዝህብን ብሩህን እዩ ክብሉ እውን ኣረዲኦም።

ካብ ፃዕሪ፣ ስራሕን ትግሃትን ወፃኢ ዝርከብ ውፅኢት ከምዘየለ ብምግላፅ፣ ብፃዕሪ ጥራሕ ኢና ሃገርና ክንቅይር ንኽእል ኢሎም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራኢ

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.