እንሃንፃ ኣዲስ ኣበባ ንነበርታ ማዕረ ተረባሕቲ ልምዓት እትገብር ከተማ ንኽትከውን ቆራፃት ኢና – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)እንሃንፃ ዘለና ኣዲስ ኣበባ ነበርታ ብማዕረ ተጠቀምቲ ልምዓት እትገብር ከተማ ንኽትኸውን ቆራፃት ኢና ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓል ዝተዋደደ መንደር ነበርቲ ቦሌ ሹቡ ኤጀርሳ መሪቕና ንተለዓልቲ ልምዓት እቲ ከባቢ ኣረኪብናዮም ኢለን።
ዝተዋደደ መንደር ነበርቲ ቦሌ ሹቡ ኤጀርሳ፤ ሰብ ተኮር ልምዓት ብተግባር ዝተረጋገፀሉ እዩ ክብላ እውን ኣመልኪተን።
ቀንዲ ዕላማ ልምዓት ከተማ መረሰተ ልምዓት ምህናፅ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ናብራ ዜጋታት ምምሕያሽ፣ መሰሎምን ረብሓታቶምን ምሕላውን ዝሐሸ ዕድል ናብራ ምፍጣርን ምዃኑ ገሊፀን።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይህነፅ ዘሎ ዩኒቨርሲቲ ሰብ ሰራሕ ብልሒ፣ ቴክኖሎጅን ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ሃገርና ዘቀላጥፍ ዓብዪ ሃገራዊ ፕሮጀክት እዩ ኢለን።
እንተኾነ እቲ ፕሮጀክት ቅድሚ ሕዚ ነቲ መሬት ንሕርሻ፣ ንግህፆን ንመንበሪ ኣባይቲን ክጥቀሙሉ ዝፀንሑ ሓረስቶት ህይወት ዝፀሉ ብምዃኑ፤ ተጠቀምቲ እቲ ልምዓት እምበር ተጎዳእቲ ከይኾኑ ፍሉይ ትኹረት ከምዝተውሃቦ ኣመልኪተን።
ብመሰረት እዚ ንልምዓት ዩኒቨርሲቲ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ካብ ሕርሻ ቦታኦምን መንበሪ ገዝኦምን ዝተመዛበሉ ሓረስቶት ቦሌ ሹቡ ኤጀርሳ፤ ዝተዋደደ መንደር መንበሪ ኣባይቲ ሃኒፅናሎም፤ ናብራኦምን ፍልፍል እቶቶምን ንምዕባይ ዝሕግዙ ቀረባት እውን ኣካቲትና ኢና ኢለን።
እዚ ድማ ማሕበራዊ ርክብ እቶም ነበርቲ ብምሕላው ናብ ዝሐሸ ኩነታት ኣነባብራ ዘሰጋግር ሰብ ተኮር ኣሰራርሓ ልምዓት ምዃኑ ኣብሪሀን።
ልምዓት ማለት ንሰባት ካብ ዝነበሩሉ ቦታ ምልዓል ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ደረጃ ናብራኦም ምምሕያሽ፣ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሞም ምጥንኻርን ተስፋ ፅበሖም ምልምላምን እውን ዝሓቖፈ ምዃኑ ኣብሪሀን።
እዚ ተግባር፣ ብመደመርን ምትሕብባርን እንትንንቀሳቐስ ኩሎም ወገናት ተጠቀምቲ ምግባርን ዘላቒ ልምዓት ምርግጋፅን ከምንኽእል መርኣያ እዩ ኢለን።
እንሃንፅ ዘለና ኣዲስ ኣበባ ክብሪ፣ መሰልን ረብሓን ኩሎም ነበርታ እተሕሉ፣ ኩሎም ብማዕረ ተጠቀምቲ ልምዓት እትገብር ከተማ ንኽትኸውን ቆራፃት ኢና ክብላ እውን ኣፅንኦት ሂበን።