Fana: At a Speed of Life!

ናትናኤል ክንፈ ሓጎስ ኣብ ውድድር ውሹ ኦሎምፒክ መናእሰይ ሜዳልያ ነሓስ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኦሎምፒክ ዓለም 2026 ናትናኤል ክንፈ ሓጎስ ኣብ ውድድር ቻንቿን ዘፈር ስፖርት ውሹ ንሃገሩ ሜዳልያ ነሓስ ኣምፂኡ።

ንፈለማ እዋን ኣብ ሴኔጋል ዳካር እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ግጥም ኦሎምፒክ መናእሰይ ዓለም 2026 ኢትዮጵያ ናይ መጀመርታ ሜዳልያኣ ኣመዝጊባ።

በዚ ድማ ኣብ መድረኽ ኦሎምፒክ ብታሪኽ ንፈለማ እዋን ንኢትዮጵያ ኣብ ስፖርት ውሹ ወኪሉ ዝተሳተፈ ናትናኤል ክንፈ ሓጎስ፤ ኣብ ውድድር ቻንቿን ሜዳልያ ነሓስ ንኢትዮጵያ ኣምፂኡ።

ናትናኤል ኣብ ዝቕፅል ኣብ ዘፈር ስፖርት ውሹ፣ ኣብ ውድድር ድርብ ጉንሹ ተወሳኺ ሜዳልያ ንምርካብ ክወዳደር እዩ።

ብሌዊ በለጠ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.