Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዙርያ ፕሮጀክት ኮሪደር ልምዓት ከተማ መቐለ ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ከተማ መቐለ ምስሊን ፅባቐን እታ ከተማ ካብ ምልዋጥ ብተወሳኺ ንነበርቲ ዝሐሸ ከባቢ መነባብሮ ንምፍጣርን ዓቕሚ ኢኮኖሚ እታ ከተማ ንምዕባይን ወሳኒ ተራ ኣለዎ ኢሎም ከንቲባ ከተማ መቐለ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)።

በዓል ሓደራ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብዛዕባ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ምስ መራሕቲ ክፍለ ከተማታት እታ ከተማ ቀዳማይ ዙር ዘተ ኣካይዱ።

እቲ ዘተ ብከንቲባ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)ን ሓላፊ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር እታ ከተማ ኢንጂነር ፀጋዘኣብ ኪዳኑን ተመሪሑ።

ከንቲባ ከተማ መቐለ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)ኣብቲ እዋን፤ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ከተማ መቐለ ምስሊን ፅባቐን እታ ከተማ ካብ ምልዋጡ ብተወሳኺ ንነበርቲ ዝሐሸ ከባቢ መነባብሮ ንምፍጣርን ዓቕሚ ኢኮኖሚ እታ ከተማ ንምዕባይን ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ዝተሓሰበሉ ውፅኢት ንኸምዝግብ መራሕቲ ክፍለ ከተማታት ብዝተዋደደ ኣመራርሓ ክሰርሑ ከምዘለዎም ዘተሓሳሰቡ እቶም ከንቲባ፤ እቲ ስራሕ ልምዓት ድሌትን ረብሓን ነበርቲ ብዘድሀበ መገዲ ክካየድ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

መናእሰይ ኣብቲ ስራሕቲ ልምዓት ብምስታፍ ዕድላት ስራሕ ምፍጣር፣ ዘፈር ውልቀን ኣናእሽተይ ኢንተርፕራይዛትን ብምስታፍ ካብቲ ፕሮጀክት ተረባሕቲ ክኾኑ ከምዘለዎም እውን ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ቀረባ እዋን ምስ መላእ ማሕበረሰብ ዘተ ከምዝቕፅል ዝተገለፀ እንትኸውን፤ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ምስሊ እታ ከተማ ካብ ምምሕያሽ ብተወሳኺ መርበባት ኣገልግሎት ህዝቢ ብምድንፋዕ ምንቅስቓሳት ንግዲን ኢኮኖሚን ብምጥንኻር ንመናእሰይ ዕድላት ስራሕ ብምፍጣርን ንኣሽቱ ኢንተርፕራይዛት ብምትብባዕን ኣብ ዝህልዎ ረብሃ ዓሚቕ ዘተ ተኻይዱ።

ብግዛቸው ግርማዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.