ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ቀዳማይ ተግባረን ውፅኢታዊነት ፈንድታት ክሊማ ምድንፋዕ ክኸውን ይግባእ – ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ቀዳማይ ተግባረን ኣብ ውፅኢታውነት ፈንድታት ክሊማ ምዕባይ ክገብራ ይግባእ ኢለን ሚኒስትር ፋይናንስን ዋና ተደራዳሪት ኮፕ-32ን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)።
ጎኒ ጎድኒ ጉባኤ ኮፕ31 “በዓል ብዙሕ ወገን ዝተሳተፉሉ ፈንድታት ክሊማ፡ ንዝሐሸ ተበፃሕነትን ዝለዓለ ፅልዋን ብሓባር ምስራሕ” ብዝብል ርእሲ ዝተዳለወ መድረኽ ተኻይዱ።
ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ገንዘብ ኢትዮጵያን ዋና ተደራዳሪት ኮፕ32ን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) መደረ ኣስሚዐን።
ኣብ መደረአን ድማ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ምጥንኻርን ተበፃሕነት ፋይናንስ ክሊማ ምስፋሕን ከምዘግባእ ኣገንዚበን።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ለውጢ ክሊማ ንኸዐውታ ንምድጋፍ ውፅኢታዊነት ፈንድታት ክሊማ በዓል ብዙሕ ወገን ዝተሳተፉሉ ምዕባይ ቀዳማይ ተግባረን ክኸውን ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂበን።
#ኢትዮጵያ #ኮፕ_32_ኢትዮጵያ #COP31 #COP32 #COP32ETHIOPIA #fanamediacorporation #ClimateFinance #ClimateAction