ፅዕንቶ ለውጢ ክሊማ ንምንካይ ዝተዋደደ ምትሕብባር ሃገራት ይሓትት – ፕሬዚደንት ረጅብ ጣይብ ኤርዶጋን
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ፅዕንቶ ለውጢ ክሊማ ንምንካይ ዝተዋደደ ምትሕብባር ሃገራት ይሓትት ኢሎም ፕሬዚደንት ቱርኪየ ረጀብ ጣይብ ኤርዶጋን።
ኣብ ቱርኪየ ኣንታልያ ሕቡራት መንግስታት ጉባኤ መራሕቲ ክሊማ ኮፕ31 ምክያድ ጀሚሩ።
ፕሬዚደንት ረጀብ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ብመሰረት ስምምዕነት ፓሪስ ንለውጢ ክሊማ ዝግበሩ ሓገዛት ፋይናንስ እናወሰኹ ይመፁ ከም ዘለዉ ኣልዒሎም።
ዓለም ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ከቢድ ስግኣት ኣጋጢምዋ ኣሎ ዝበሉ እቶም ፕሬዚደንት፤ ሕርያና ክልተ እዩ ወይ ብዘይ ምንቅስቓስ ኩነታቱ ምቕባል ወይ ድማ ኣቐዲምካ ምክልኻል ኢሎም።
ቱርኪየ ለውጢ ክሊማ ንምክልኻል ዝኣተወቶም ቃል ኪዳናት ናብ ተግባር ንምቕያር ፃዕሪ ትገብር ኣላ እውን ኣመልኪቶም።
ንኣብነት ድማ ምልቃቕ ካርበን ንምንካይ ንሓምለዋይ ስግግር ቀዳምነት ከም እትህብ ከምኡ እውን ውፅኢታውነት ኣጠቓቕማ ጉልበት ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ፖሊሲታት ተተግብር ከም ዘላ ገሊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ሃገሮም ንከባቢ ዝስማዕምዑ ኣማራፅታት ትራንስፖርት እናስፍሐት ከም እትርከብ ገሊፆም።
ኣብ ቱርኪየ ካብ ሓፈሻዊ ዓቕሚ ምፍልፋል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብፅሒት ዝሕደስ ሓይሊ ልዕሊ 60 ሚእታዊ ከምዝበፅሐ ኣመልኪቶም።
ኣብ መርሃ ግብሪ ውፅኢታዊነት ኣጠቓቕማ ማይ ቱርኪየ ብኽነት ማይ ንምንካይ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እናወሰደት ከምትርከብ ኣገንዚቦም።
ምክልኻል ለውጢ ክሊማ ሓላፍነት ሓደ ወገን ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ፕሬዚደንት፤ ሃገራት ብሓባር ክሰርሓ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
#ኢትዮጵያ #ኮፕ_32_ኢትዮጵያ #COP31 #COP32 #COP32ETHIOPIA
ብሚኪያስ ኣየለ