ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ከተማ መቐለ ምስ ትካላት ሕቡራት መንግስታትን መሓዙት ልምዓትን ተዛቲዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ከተማ መቐለ ምስ ትካላት ሕቡራት መንግስታት፣ ዓለም ለኸን ከባብያዊን ዘይመንግስታዊ ትካላትን መሓዙት ልምዓትን ኣብ ምፍላጥን መደባት ምትሕግጋዝ ዘድሀበ ኣኼባ ኣካይዱ።
እቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ ምምሕዳር ከተማ መቐለን መሓዙት ልምዓትን ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝዓለመ ኮይኑ፤ ሓገዝ ምግቢ፣ ትምህርቲ፣ ጥዕናን ካልኦት ህፁፃትን ኣገደስቲን ጠለባት ሕብረተሰብ ንምምላእ ሓገዝ ንምትእኽኻብ ዘድሀበ ምኳኑ እቲ ቤት ፅሕፍርት ሓቢሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ንዳግመ ሕውየት ከተማ መቐለን ቅልጡፍ ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅን ኣብ ዝሕግዙ ናይ ሓባር መደባትን ኣሰራርሓታትን ከምዝተዘራረቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ዝተፈላለዩ ትካላት ብሓባር ብምስራሕ ዘሎ ፀገማት ብዝተወደበ መንገዲ ንምፍታሕን ሓገዛት ኣዚዩ ናብ ዘድልዮም ክፋላት ሕብረተሰብ ንምብፃሕን ዝተጀመረ ምትሕግጋዝ ቀፃልነት ንኽህልዎ ትፅቢት ይግበር።