Fana: At a Speed of Life!

ኣብ COP31 ብዝተኸፈተ ፓቪልዮን ሃገራዊ መንነት ኢትዮጵያ ንዓለም ይፋለጥ ኣሎ – ቢልለኔ ስዩም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጉባኤ COP31 ብዝተኸፍተ ፓቪልዮን ኢትዮጵያ፤ ሃገርና መበቆል ወዲ ሰብን ኣደ ኩሉን ምዃና ተፋልጥ ኣላ ኢለን ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም።

ኣብ ቱርኪየ ኣንታልያ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ COP31 ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ፓቪልዮን ከፊታ ኣጋይሽ ተቐቢላ ተአንግድ ኣላ።

እተን ሓላፊት ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ COP31 ትገብሮ ዘላ ተሳትፎ ብዝምልከት ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ፤ በቲ ፓቪልዮን ባህሊን ክብሪታትን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲ ክሊማ ዝፈፀመቶም ተግባራት ተፋልጥ ከምዘላ ገሊፀን።

“ብፍላይ ሃገርና መበቆል ቡን ብምዃና፤ ሃፍቲ ቡንና ከምኡ እውን መበቆል ወዲ ሰብ ምዃና ንኣጋይሽ ዝተፈላለያ ሃገራት እናፋለጥና ንርከብ” ኢለን።

በዚ ድማ ልዕሊ 180 ሃገራት እናተሳተፋሉ ኣብ ዝርከባ ጉባኤ ኣንታልያ፤ ኢትዮጵያ መበቆል ወዲ ሰብ ምዃና ንምፍላጥ ይስራሕ ከምዘሎ ኣመልኪተን።

ኢትዮጵያ መድረኽ ኣትሌታት ምዃና ንምፍላጥ ስራሕቲ ይካየዱ ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ ፅንዓት ኣትሌታትና ፅንዓት ኢትዮጵያ ዝገልፅ እዩ ኢለን።

ሓሳብ መንግስቲ መደመር ንነበርቲ ምቹዋት ዝኾኑ፣ ንለውጢ ክሊማ ዘይብድሁ፣ ከምኡ እውን ሓደጋታት ውሕጅን ካልኦት ተመሳሰልቲ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ዘየስግኡወን ከተማታት ምፍጣር ምዃኑ ኣልዒለን።

ኣብቲ ፓቪልዮን ኣጋይሽ ካብ ዝበፅሕዎም ሃፍቲን ተሞክሮታትን ኢትዮጵያ ብተወሳኺ፤ ብዛዕባ ጉዳያት ክሊማ ዝተፈላለዩ ዘተታት ይካየዱ ከምዘለዉ ተዛሪበን።

#ኢትዮጵያ #ኮፕ_32_ኢትዮጵያ #COP31 #COP32 #COP32ETHIOPIA #fanamediacorporation

ብእመቤት ሲሳይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.