Fana: At a Speed of Life!

ኮፕ32 ሃገራዊ ፃዕርታትና ናብ ዘላቒ ውፅኢት ንምቕያር ዓብዪ ዕድል ዝፈጥር እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ እተተኣናንግዶ ኮፕ32 ሃገራዊ ፃዕርታትና ናብ ዘላቒ ውፅኢት ንምቕያር ዓብዪ ዕድል ዝፈጥር እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር።

ሓፈሻዊ ገምጋም ከይዲ ስራሕ ብሄራዊ ኮሚቴ መተሓባበሪ ኮፕ32 ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ብሄራዊ ኮሚቴ መተሓባበሪ ኮፕ32 ብምእካብ ሓፈሻዊ ከይዲ ስራሕና ገምጊምና ኢሎም።

ኣብቲ ገምጋም ምድላዋት ድሕሪ ምፍታሽ፣ ስራሕቲ ዝምርሑሉ ስትራቴጂካዊ ኣንፈት ከምዝሃቡ ገሊፆም።

እቲ ጉባኤ ብዓወት ንምትእንጋድ፤ ኩሎም ግብረ ሓይልታት ተዋዲዶም ንኽሰርሑ ብምግባር፣ ዝተዋደደን ኩሉ ዝሓቖፈን ኣካይዳ መንግስቲ ምኽታል ወሳኒ ምዃኑ ብኣፅንኦት ከምዘተሓሳሰቡ ኣብሪሆም።

ኮፕ32 ዓብዪ ዓለም ለኸ ጉባኤ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፤ ኣጀንዳ ክሊማን ሓለዋ ከባቢን ኢትዮጵያ ንምስጓም፣ ሽርክነት ንምጥንኻር፣ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ፣ ከምኡ እውን ሃገራዊ ፃዕርታትና ናብ ዘላቒ ውፅኢት ንምቕያር ልዑል ዕድል ከምዝፈጥር ገሊፆም።

#ኢትዮጵያ #ኮፕ_32_ኢትዮጵያ #COP31 #COP32 #COP32ETHIOPIA #fanamediacorporation

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.