ንዕዉትነት ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ከተማ መቐለ እጃምና ክንፍፅም ኢና – ምሁራን ዩኒቨርሲቲ መቐለ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ምሁራን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንዕዉትነት ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ከተማ መቐለ ሞያዊ ሓገዝ ንምግባር ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊፆም።
ኣብታ ከተማ ይካየድ ኣብ ዘሎን ኣብ ትልሚ ዝርከብን ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ብምድሃብ ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ዝተውፃእፅኡ ምሁራን፣ ተመራመርቲን ኣመራርሓ ኣካላትን ዘተ ተኻይዱ።
እቲ ዘተ ነባራዊ ምስሊ እታ ከተማ ምምሕያሽ፣ ቅልጣፈ ዕቤታ ምዕባይን ንነበርታ ምቹው ዝኾነ ዘበናዊ መሰረተ ልምዓት ኣብ ተግባር ምውዓልን ዘኽእሉ ሓሳባት ማእኸል ዝገበረ እዩ።
ኣብቲ እዋን ዘተ እቲ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ካብ ኣንፈት ትልሚ ከተማ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ረብሓን ዘላቒ ምምሕዳር ከተማን ሰፊሕ ትንተና ተዋሂብዎ።
ምሁራን ኣብቲ መድረኽ ልምዓት ኮሪደር ካብ ፅባቐ እታ ከተማ ምሕላው ሓሊፉ፣ ንምንቅስቓሳት ንግዲ ንምቅልጣፍ፣ ፍሰት ትራፊክ ንምምሕያሽን ፅሬት ህይወት ዜጋታት ንምዕባይን ልዑል ግደ ከምዝፃወት ገሊፆም።
እቲ ፕሮጀክት ዕዉት ንኽኸውን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዘሎ ምውዳድ ክጠናኸር ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ተሳትፎ ሕብረተሰብን መንፈስ ዋንነትን ኣብ ምዕባይ ፍሉይ ትኹረት ክወሃቦ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም።
ምሁራን እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዓውዲታት ልምዓት ከተማ፣ ምህንድስና፣ ስነ-ምህዳርን ማሕበራዊ ሳይንስን ዘለዎም ፍልጠትን ምርምርን ብምጥቃም ንዕዉትነት እቲ ፕሮጀክት ሞያዊ ሓገዝ ንምግባር ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊፆም።
እቲ ምምሕዳር ከተማን መተሓባበርቲን እቲ ፕሮጀክትን ብግደኦም፤ ሳይንሳዊ ርእይቶታትን እታወታትን ምሁራን ንምምሕያሽ ትልሚን ፅሬት ኣፈፃፅማን ኣዚዮም ኣገደስቲ ምዃኖም ገሊፆም።
እቲ ፕሮጀክት ብፅሬት ንምዝዛም ብምውዳድ ከምዝሰርሑ እውን ኣፍሊጦም።
ብግዛቸው ግርማዬ