Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣወሉ ኣብዲን ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣብ መቐለ ማእኸል ተሃድሶ ነበር ተዋጋእቲ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ኣወሉ ኣብዲን ኣማኻሪ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳን መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ስልጠና ተሃድሶን ዳግመ ሕውየትን ነበር ተዋጋእቲ ዑደት ገይሮም።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ካምፓስ መለስ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝርከብ ማእኸል ዳግመ ሕውየት ኣብ ዝገበሩዎ ዑደት፤ ከይዲ ስልጠናን ዳግመ ሕውየትን ነበር ተዋጋእቲ ናብ ስሩዕ ማሕበራዊ ህይወት ምምላስን ተዓዚቦም።

እቲ ስልጠና ነበር ተዋጋእቲ ምስ ሕብረተሰቦም ብምፅንባር ስሩዕ ህይወቶም ክመርሑን ኣብ መፍረያይነት ክሳተፉን ብምኽኣል ንህንፀት ዘላቒ ሃገራዊ ሰላም ልዑል ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ እቲ ስልጠና ነበር ተዋጋእቲ መናእሰይ ምስ ሕብረተሰብ ክፅንበሩ እንተለዉ ዘላቒ ዕድላት ስራሕ ክፈጥሩን ብኢኮኖሚያዊ ንጥፈታት ርእሶም ክኽእሉን ይሕግዞም።

ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ብወገኑ፤ ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንምዕዳልን መናእሰይ ናብ ሰላማዊ ህይወት ንምምላስን ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

እቲ ስልጠና ተሃድሶ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ሰላማዊ ህይወት ብምምላስ፣ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኣፍረይቲ ኮይኖም ንክሳተፉን ንሃገራዊ ሰላምን ልምዓትን ሓገዝቲ ክኾኑን ዘኽእል ከይዲ ምዃኑ እውን ተገሊፁ።

ብግዛቸው ግርማዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.