Fana: At a Speed of Life!

ገወሳየወ ልኡኽቶ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝኾኑ መናእሰይ ናብ ሰላማዊ መንገዲ ክምለሱ ይግባእ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣማኻሪ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብሰንኪ ዘይግቡእ ልኡኽቶ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ግዳይ ዝኾኑ መናእሰይ ናብ ሰላማዊ መንገዲ ክምለሱ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ኣይተ ኣወሉ ኣብዲን ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣብ መቐለ ስልጠና ተሃድሶ ምስ ዝዛዘሙ ነበር ዕጡቓት ተዛቲዮም።

ስልጠናኦም ካብ ሞንጎ ዝዛዘሙ ሰልጠንቲ ልዕሊ 16 ሚእታዊ ዝኾኑ ካብ መዓርግ መሪሕነት ልዕሊ ኮር ክሳብ መዓርግ ሻለቃ ዝነበሮም ምዃኖም ተገሊፁ።

ኣይተ ጌታቸው ኣብቲ እዋን፤ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሩ ዜጋታት ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ተቐቢሎም ብስልጠና ተሃድሶ ምሕላፎም ንሰላምን ምርግጋእን ክልል ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ኢትዮጵያ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ቀፃሊ እውን መንግስቲ ስልጠና ተሃድሶ ናይ ምሃብ ተግባሩ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣገንዚቦም።

ሕዚ እውን ብሰንኪ ዘይግቡእ ልኡኽቶ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ግዳይ እናኾኑ ዝርከቡ መናእሰይ፤ መንግስቲ ዘቕረቦ ኣማራፂ ሰላም ክጥቀሙሉ ከምዝግባእ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብግዛቸው ግርማዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.