Fana: At a Speed of Life!

ታሪኻዊ ሰለስተኣዊ ዘተ መራሕቲ ኣሜሪካ፣ ሩስያን ቻይናን ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፣ ፕሬዚዳንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ልዑት ትፅቢት ዝግበረሉ ሰለስተኣዊ ዘተ የካይዱ ኣለዉ።

ፕሬዚዳንት ሺ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ መራሕቲ እተን ሰለስተ ሃገራት ንፈለማ እዋን ኣብ ታሪኽ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ተኣኪቦም ንምዝታይ ምርኻቦም ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዝኸፈተ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ብወገኖም፤ ኣብ ከተማ ሼንዠን ቻይና ይካየድ ብዘሎ ሰለስተኣዊ ዘተ ከምዝተሓጎሱ ብምግላፅ “ብሓቂ ታሪኽ ንሰርሕ ኣለና” ኢሎም።

ኣባላት መስረትቲ ሕቡራት መንግስታት ዝኾና እዘን ሰለስተ ሃገራት፤ ዓለም ለኸ ሕጊን ስርዓትን ናይ ምጥንኻር ሓላፍነት ከምዘለወን ዝገለፁ ድማ ፕሬዚዳንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን እዮም።

እተን ሃገራት ኣብ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ሓዊሱ ዞባዊ ጎንፅታት ሓባራዊ ረብሓታት ከም ዘለዉወን ኣመልኪቶም።

ቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፤ ቅድሚ እዚ ሰለስተኣዊ ጉባኤ እቶም ሰለስተ መራሕቲ በብውልቆም ክልተኣዊ ዘተታት ኣካይዶም ነይሮም።

ብእመቤት ሲሳይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.