ንቁመና ሰራዊት ምክልኻል ዝምጥን መሰረተ ልምዓት ናይ ምህናፅ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ንቁመና ሰራዊት ምክልኻል ዝምጥን መሰረተ ልምዓት ናይ ምህናፅ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ።
ብዋና መምርሒ ምህንድስና ምክልኻል ኣብ ወለንጪቲን ጌጃን ዝተሃነፁ ካምፓት ሎሚ ብዕሊ ተመሪቖም።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ እዋን ከም ዝገለፁዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ልዕሊ 30 ዘበናዊ ወታደራዊ ካምፓት ናይ ምህናፅ ስራሕ ተኻይዱ።
ምስ ቁመና ሰራዊት ምክልኻል ብዝመጣጠን መልክዑ እናተሃነፁ ዝርከቡ መሰረተ ልምዓታት ተጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ እውን ገሊፆም።
ሓላፊ ዋና መምርሒ ምህንድስና ምክልኻል ጀነራል ደስታ ኣብቼ ብወገኖም፤ እቲ መምርሒ ሰራዊት ግዴትኡ ንኽፍፅም ዘኽእሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት እናሃነፀ ከም ዝርከብ ኣልዒሎም።
ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቑ ላዕለዋይ መምርሒ ክፍለ ጦር ወለንጪቲ ኣብ 22 ሄክታር መሬት፤ ከምኡ እውን ዋና መምርሒ ክፍለ ጦር ጌጃ ኣብ 53 ሄክታር መሬት ከም ዝተሃነፁ ገሊፆም።
እቶም ህንፀታት ካብቲ ዝተሓሰበ ግዜ ቀዲሞም ከም ዝተዛዘሙ ብምግላፅ፤ ወታደራዊ ካምፓታትን ትካላት ጥዕናን ሓዊሱ ብዙሓት ኣገልግሎታት ዝህቡ ማእኸላት ዝሓቖፉ ምዃኖም ሓቢሮም።
ብፍቅርተ ከበደ