ኢትዮጵያ ፍትሓዊ ተበፃሕነት ፋይናንስ ንብረት ኣየር ንምዕባይ ክትሰርሕ እያ – ጌድዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብኣምር መደመር ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ፍትሓዊ ተበፃሕነት ፋይናንስ ንብረት ኣየርን ንምዕባይ ብትግሃት ክትሰርሕ እያ ኢሎም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ተመራፂ ፕሬዚዳንት COP32ን ጌድዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)።
ኣብ ቱርኪየ ኣንታልያ ክካየድ ዝፀንሐ መበል 31 ጉባኤ ንብረት ኣየር ሕቡራት ምንግስታት (COP31) መዛዘሚ ስነ-ስርዓት ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ።
ጌድዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ኢትዮጵያ ናይ ምትእንጋድ ሓላፍነት ጉባኤ COP32 ብወግዒ ከምዝተረከበት ኣበሲሮም።
ኢትዮጵያ ብፕሬዚዳንትነት COP32 ተስፋ ምምላስ፣ ምትእምማን እንደገና ምህናፅን ሓባራዊ ስጉምቲ ምጥንኻርን ዝብሉ ሰለስተ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ከምዝፈለየት ኣፍሊጦም።
ኣብ በዓል ብዙሓት ወገናት ዝሳተፍዎ ምትሕብባር ኣየር ንብረት ዘሎ እምነት ክምለስ ዝኽእል፣ ብተግባር ውፅኢት ብምምዝጋብ ስለዝኾነ፣ ውሳነታት እቲ ጉባኤ ኣፈፃፅማ ንዘዕብዩ ክኾኑ ከምዘለዎም እውን ኣፅንኦት ሂቦም።
ዋና ራኢ COP32 ስጉምቲ ንብረት ኣየር ምስ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ብምውህሃድ ምስጓም ከምዝኾነን እዞም ሸቶታት ንሕድሕዶም ዝደጋገፉ ምዃኖምን ገሊፆም።
እዚ ንምዕዋት ብተሳተፍቲ ሃገራት ዝምራሕ መካታቲን ግልፅነት ዘለዎን ኣሰራርሓ ብምኽታል ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ንኹሎም ወገናት ብምስማዕ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።