ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብዘመዝገበቶም ውፅኢታት ዓቕሚ ምኽኣል ኣፍሪካ ኣብ ተግባር እናርኣየት ትርከብ – ዶ/ር መቅደስ ዳባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብዘመዝገበቶ ጭቡጥ ውፅኢት ዓቕሚ ምኽኣል ኣፍሪካ ብተግባር ተርኢ ኣላ ኢለን ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ።
ካብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 30 ሺሕ ተሳተፍቲ እናተሳተፉሉ ዝርከቡ 5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ጥዕና ሕብረተሰብ ኣፍሪካ (CPHIA 2026) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቨንሽን ኣዲስ ይካየድ ኣሎ።
እተን ሚኒስትር ከምዝገለፀኦ፤ ካብ ዓውዲ ጥዕና ብተወሳኺ ካብ ዓውድታት ፋይናንስ፣ ትልሚ፣ ሕርሻን ሓለዋ ከባቢን ዝተወከሉ ልዕሊ 46 ሚኒስትራት ኣብቲ ጉባኤ ከምዝተረኸቡ ገሊፀን።
ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ዕዉት ተሞክሮ ኢትዮጵያን ኣብ ካልኦት ዓውድታት እናተመዝገቡ ዝርከቡ ሓፈሻዊ ለውጥታትን ከምዝተዓዘቡ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ እታ ሃገር ዘለዋ ዓቕሚ ስራሕን ኣተገባብራን ብተግባር ብምርኣይ ኣብታ ኣህጉር እምነት ንኽሕደር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ኣብሪሀን።
ትካላት፣ መሻርኽቲ ኣካላትን ትካላት ዘፈር ውልቀን ብሓባር ዝዝትዩሉ ዘለዉ እዚ መድረኽ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ዘካየደቶም ስራሕቲ ብዝተፈላለዩ መገዲታት እናቕረበት ከምዘላ እውን ኣመልኪተን።
ተሳተፍቲ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ሰብ ሰራሕ ብልሒ፣ ዲጂታል ጥዕና፣ ቀዳማይ ደረጃ ክንክን ጥዕናን ስርዓት ሪፈራል ሕክምናን ዘመዝገበቶም ዕዉታት ስራሕቲ ከምዝተዓዘቡ ኣብሪሀን።
እቲ ጉባኤ ሉኣላዊነት ጥዕና ኣፍሪካ ንባ ጭቡጥ ውሳነ ዘሳግር ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፤ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ ልዝባት ጥዕናን ኣብ ትግበራታት ሳይንስን ተቐባሊት ጥራሕ ዘይኮነትስ ወሃቢት እውን ኮይና እናወፅአት ኣላ ምባለን ግዜኢ ፀብፂቡ።