Fana: At a Speed of Life!

ኣል ሂላል ንኔይማር ንምፍራም ምስ ፔ ኤስ ጂ ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነ ኣል ሂላል ንኔይማር ንምፍራም ምስ ጋንታ ፈረንሳይ ዝኾነ ፓሪሴንት ዥርመን (ፔ ኤስ ጂ) ከምዝተስማዕመዐ ተገሊፁ። ኣመራርሓ ክልቲኦም ጋንታታት ኔይማር ንምዝውዋር ብዝገበርዎ ስምምዕ፥ ፒ ኤስ ጂ ካብቲ ዝውውር 86 ሚሊየን…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፈላማይ ህፁፅ ኣኼብኡ የሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፈላማይ ህፁፅ ኣኼብኡ የሳለጥ ኣሎ። እቲ ባይቶ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ ህፁፅ ኣኼባ፥ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት 28 ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ መበል 23 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝደንገጎ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዘተ ከምዝገብር ተገሊፁ።

ዩኒሴፍ ኣብ ትግራይ ካብ 9 ነሓሰ ጀሚሩ ንዝወሃብ ክታበት ንምዕዋት ልዕሊ 45 ሚልየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ቫይረስ ኮሮናን መንሽሮ (ካንሰር) ኣፍደገ ማህፀን ከምዝካየድ ተገሊፁ። እቲ ወፍሪ "ንከተብ" ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ከምዝኾነ  ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብሪሁ። ምክትል ሓላፊ እቲ…

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ኣምባሳደር ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤራ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ኣምባሳደር ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ ሃማድ ኣል ዶሳሪ ዘቲዮም። እቲ ዘተ፥ ኣብ ሓበራዊ ዛዕባ ክልቲአን ሃገራት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ኣብ ኤምባሲ ኳታር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ከልቲኣዊ…

ተጋሩ መናእሰይ ንህንፀት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ግደኦም ክዋፅኡ ይግባእ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተጋሩ መናእሰይ ንህንፀት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ግደኦም ክዋፅኡ ይግባእ ከብሉ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም። መዓልቲ መናእሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ መቐለ ተኸቢሩ። ነቲ በዓል ጠሚቱ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ…

ስልጠነኦም ዝዛዘሙ ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኮሌጅ መሰልጠኒ ፖሊስ ክልል ሶማሌ ስልጠነኦም ዝዛዘሙ ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል ተመሪቖም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድን ኮሚሽነር ጀኔራል ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገ/ሚካኤልን ሓዊሱ ኣመራርሓ ትካላት ፀፅታ ፌዴራልን ክልልን ኣብ…

ኣርሴናል ኣብ ፈላማይ ፀወታ ፕርሚየር ሊግ ኢንግሊዝ ንኖቲንግሃም ፎረስት 2 ን1 ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርሴናል ኣብ ፈላማይ ፀወታ ውድድር 2023/24 ፕርሚየር ሊግ ኢንግሊዝ ንኖቲንግሃም ፎረስት 2 ን1 ብምስዓር ተዓዊታ። ኣርሴናል፥ ኤዲ ኒኪታህን ቡካዩ ሳካን ብዘቑፀርወን ሸቶታት ኢያ ክትስዕር ክኢላ። ንኖቲንግሀም ፎረስት ብሕታዊት ሸቶ ዘቑፀረ…

ነበር ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና ፌዴሪኢ  ዶ/ር ከበደ ታደሰ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና ፌዴሪኢ  ዶ/ር ከበደ ታደሰ ሎሚ መዓልቲ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም። ዶ/ር ከበደ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 1993 ክሳብ ጥቅምቲ 1998 ኣብቲ ሚኒስቴር ከምዘገልገሉ ተገሊፁ። ብተወሳኺ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር…

ሚኒስቴር ትምህርቲ መርሃ ግብሪ ምግባ ተምሃሮ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ን6 ነጥቢ 9 ሚሊየን ተምሃሮ ተረባሒ ዝገበረ መርሃ ግብሪ ምግባ ተምሃሮ ኣብያተ ትምህርቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ። ሚኒስቴር ትምህርቲት ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፈ ባጀት ዓመት ተገምጊሙ። ኣብቲ ገምጋም ብሰንኪ…

ኣብ ከተማ መቐለ ብልዕሊ 2 ቢሊየን ብር ህንፀት መሰረተ ልምዓታት ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ 2016 ዓ/ም ሓደሽቲ ክህነፁ ንዝተነፀሩን ብሰንኪ ኲናት ህንፀቶም ጠጠው ዝበሉን መሰረተ ልምዓታት ንምዝዛም ካብ ውሽጢ ኣታዊ፣ ስሩዕ ባጀትን ካብ ልምዓት ባንክን ልዕሊ 2 ቢልየን ብር ባጀት ከም ዝተመደበሉ ግዚያዊ ምምሕዳር እታ ከተማ…