Fana: At a Speed of Life!

ኢጋድ ዝርርብ ደው ምባል ተዂሲ ሱዳን ኣብ ጂዳ ከምዘተግብር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢጋድ ዝርርብ ደው ምባል ተዂሲ ሱዳን ኣብ ጂዳ ከምዘተግብር ተገሊፁ። ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር)፥ ዘተ ሱዳን ምስ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ሱዑዲ ዓረብን ኣሜሪካን ብምዃን ቤት ምኽሪ መራሕቲ ኢጋድ ብምውካል ኣብ ጂዳ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።…

ዓለማዊ መዓልቲ ቱሪዝም ዝጠመተ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ንመበል 44 ግዘ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 36 ግዘ ዝኽበር ዓለማዊ መዓልቲ ቱሪዝም ዝጠመተ ዘተ ተሳሊጡ። ኣብቲ ዘተ ዝተረኸባ ሓላፊት ቢሮ ባህሊ ኪነ ጥበብን ቱሪዝምን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ሂሩት ካሳው (ዶ/ር)፥ ኢትፐይ መስራቲት…

ኣሜሪካ ኣብ ዝተመረፁ ግዝኣታት ሶሪያ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ዝተመረፁ ግዝኣታት ምብራቓዊ ሶሪያ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ገሊፁ። እቲ መጥቃዕቲ ኢራንን ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓትን ዝጥቀሙሎም ወተሃደራዊ ማእከላት ዒላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ምክልኻል ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ኣብ ምብራቓዊ ሶሪያ…

ነበር ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ በቀለ ሙለታ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2016 ( ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ በቀለ ሙለታ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም። ኣይተ በቀለ ብዘጋጠሞም ሕማም ሕክምናዊ ሓገዝ እናተገበረሎም ድሕሪ ምፅናሕ ናብ ሎሚ ዘውግሕ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ። ኣብ ዝተፈላለያ…

ንምኽባር ልኡላውነት ሃገርን ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላምን ኣድላዪ መስዋእቲ ንምኽፋል ድልዋት ኢና-ኣባላት ሰራዊት

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንምኽባር ልኡላውነት ሃገርን ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላምን ኣድላዪ መስዋእቲ ንምኽፋል ድልዋት ኢና ክብሉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ገሊፆም። መበል 116 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፥ “ብዝተፈተነ ቁፅሪ ዝፀንዕ ሰራዊት ዓወት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ…

ሩሲያ ፈተነ ኑክሌር ኣካይዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ክሩዝን ባላስቲክን ሚሳኤላት ዘካተተ ልምምድ ኑክሌር ከምዝገበረት  ክሬምሊን ኣፍሊጣ። እቲ ፈተነ ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ሞስኮን ብልሓታዊ ሓይሊታት ኑክሌር ምድላው ንምግምጋም ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ። እቲ ልምምድ ሰለስተ ወተሃደራዊ ዓውዲታት…

ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ጉባኤ ስደተኛታት ዝቐርቡ 6 ቃልኪዳናት ኣፅዲቓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ታሕሳስ 2023 ዓ.ም.ፈ ኣብ ስዊዘርላንድ ጄኔቫ ኣብ ዝሳለጥ ዓለም ለኸ ጉባኤ ስደተኛታት ዝቐርቡ ሽዱሽተ ቃልኪዳናት ኣፅዲቓ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ…

መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብሰላም ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ዝተኸበረ መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብሰላም ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ። እቲ ዕለት ኣመልኪቱ ንተሽከርከርቲ ዕፁው ኮይኖም ዝነበሩ መገዲታት ብምኽፋት ስሩዕ ኣገልግሎት ይወሃብ…

ኢትዮጵያ በዓልቲ ዋና ፈተና ናብ ዓወት ዝልውጥ ተዓዋታይ ሰራዊት ኢያ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣15 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ በዓልቲ ዋና ፈተና ናብ ዓወት ዝልውጥ ተዓዋታይ ሰራዊት ኢያ ክብል ኣገልግሎት^ ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ። እቲ ኣገልግሎት፥ “ብዝተፈተነ ቁፅሪ ዝፀንዕ ሰራዊት ዓወት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ዝኽበር…

ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት ዋዒ ፅንዓት ዕላማ ብምሕላው ክቕፅሉ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)“ብዝተፈተነ ቁፅሪ ዝፀንዕ ሰራዊት ዓወት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ  መበል 116 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተኸቢሩ። ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ…