Fana: At a Speed of Life!

ብራዚላውያን ተፃወትቲ ዓሌትነት ንምቅዋም ፀሊም ማልያ ተኸዲኖም ናብ ሜዳ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኣንፃር ጊኒ ኣብ ዘካየድዎ ምሕዝነታዊ ፀወታ ኩሎም ፀሊም ክዳን ብምልባስ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ንዝረአ ‘ዓሌትነት’ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊፆም። ተፃወትቲ እታ ጋንታ ኣብ ቀዳማይ እብረ ፀዋታ፥ ፀሊም ጥራይ ተኸዲኖም ዝኣተዉ…

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ 30 ሚሊየን ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድሊዮም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ 30 ሚሊየን ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድሊዮም ተገሊፁ። ንፀብፃብ ትካል ምደባ ዝተዋደደ ውሕስነት ምግቢ (አይ ፒ ሲ) ብምውካስ ዳውን ቱ ኣርዝ ዝተብሃለ ጋዜጣ ከምዝፀብፀቦ፥ ኣብ 7 ኣባል ሃገራት ኢጋድ 55 ሚሊየን ዜጋታት…

ብሚኒስትር ንግዲ እንግሊዝ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ፓርክ  ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ዑደት ኣሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ንግዲ እንግሊዝ ኒጌል ሀድልስቶን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ፓርክ  ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ዑደት ኣሳሊጡ። እቲ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ፥ ኣብ ቀፃሊ ሰብ ሃፍቲ አንግሊዝ ኣብ ርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንክገብሩ ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ክዝትዩ…

ኣብ ካልኣይ ዙር ረቂቕ መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካልኣይ ዙር ረቂቕ መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስተር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ሓዊሱ ተወከልቲ መዳርግቲን ኮሚቴ ኣፈፃሚ ስራሕ ደጋፊ ልምዓትን ተረኺቦም። እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፥…

ዓውዲ ሕርሻ ንዕብየት ኢኮኖሚ ሃገር ዘለዎ ዕዙዝ ግደ ኣብ ግምት ዘእተወ ቀረብ ፋይናንስ ክህሉ ይግባእ-  ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓውዲ ሕርሻ ንዕብየት ኢኮኖሚ ሃገር ዘለዎ ዕዙዝ ግደ ኣብ ግምት ዘእተወ ቀረብ ፋይናንስ ክህሉ ከምዝግባእ ሚኒስትር ሕርሻ ዶ/ር ግርማ ኣመንቴ ገሊፆም። ሚኒስቴር ሕርሻ፣ ኢንስቲትዩት ትራስፎርሜሽን ሕርሻ ኢትዮጵያን ብሄራዊ ባንኪን ብሓባር ዘዳለውዎ…

ጉዳይ ታይዋን ኣብ ርክብ ኣሜሪካ-ቻይና ንድርደር ዘይቐርብ ቀይሕ መስመር ኢዩ-ቺን ጋንግ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉዳይ ታይዋን ኣብ ርክብ ኣሜሪካ-ቻይና ንድርደር ዘይቐርብ ቀይሕ መስመር ኢዩ ከብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ቺን ጋንግ ኣፍሊጦም። ኣብ ጉዳይ ግዝኣት ታይዋን ዝለዓሉ ሕቶታት ውሽጣዊ ጉዳይ ቻይና ከምዝኾኑ እውን ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ…

ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኣብ ከተማ ሰዶ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ ህዝበ ውሳነ ዑደት ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ብርቱካን ሚደቅሳ ኣብ ከተማ ሰዶ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ ህዝበ ውሳነ ዑደት ገይረን። ኣብ ዞባ ወላይታ ካልኣይ ዙር ምርጫ ህዝበ ውሳነ ካብ 12 ሰዓት ጀሚሩ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ዞባ ኣብ ዘለዋ 12 ጊዚያዊ ማእኸላት…

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣኦ ዢዩዋን ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልለ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣኦ ዢዩዋን ምስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ቻይና ዘትዮም። እቲ ጉጅለ ልኡኽ፥ ኣስታት 20 ዝኾኑ ኣባላት ዝተፈላለያ ኢንተርፕራይዛትን ኩባንያታትን መንግስቲ…

ኣብ መንጎ መንግስታት ፌዴራልን ክልልን ዘሎ ርክብ ምጥንኻር ኣቕሊልካ ዝረአ ጉዳይ ኣይኮነን- ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንጎ መንግስታት ፌዴራልን ክልልን ዘሎ ርክብ ምጥንኻር ኣቕሊልካ ዝረአ ጉዳይ ኣይኮነን ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም። ሓበራዊ መድረኽ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ክልላትን ይሳለጥ ኣሎ። እቲ መድረኽ ዘተ፥…

ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ኢንቨስት ንክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ኢንቨስት ንክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ። ብኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣኦ ዢዩዋን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ዑደት ኣሳሊጡ። እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ፥ ምስ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፓርክ…