Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ዕጡቓት ህወሓት ጉጅላዊ ኣፅዋር ተረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ካብ ዕጡቓት ህወሓት ጉጅላዊ ኣፅዋር ተረኪቡ። እቲ ርኽክብ ኣብ ላጪ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ምርኽኻብ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ። ተወካሊ ሰራዊት…

ኢንተርናሽናል ኣርቢትር ባምላክ ተሰማ ዋና ዳኛ ብምዃን ፀወታ ፍፃመ ሻምፒንስ ሊግ ኣፍሪካ ክመርሕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንተርናሽናል ኣርቢትር ባምላክ ተሰማ ዋና ዳኛ ብምዃን ፀወታ ፍፃመ ሻምፒንስ ሊግ ኣፍሪካ ክመርሕ ኢዩ። እቲ ፀወታ ኣል ኣህሊ ምስ ዋይዳድ ካዛብላንካ ዝገብርዎ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ኮንፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ከምዝገለፆ፥ እቲ ፀወታ 4…

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ቻይና ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ቻይና ሃን ዠንግ ዘቲዮም። ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ናብ ንቡር ንምምላስን ፀገማት ንምቕራፍን ንዝግበር ፃዕሪ ቻይና እትገብሮ ደገፍ…

ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎን ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ደቡብን ኣብ ኤግዚብሽን ግብርና ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎን ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ደቡብን ኣብ ኤግዚብሽን ግብርና ዑደት ገይሮም። “ካብ ቤተ ፈተና ናብ ኣዝርእቲ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ሙዚየም ሳይንስ ዝተደለወ ኤግዚብሽን ግብርና ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ…

ኣብ መንጎ ላዕለዎት ትካላት ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻር ይግባእ-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንጎ ላዕለዎት ትካላት ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻር ይግባእ ክብሎ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም። ኣይተ ደመቀ ኣብ ምረቓ መፅሓፍ ቻይናውያን ተምሃሮ ዩንቨርስቲ መፅናዕቲ ወፃኢ…

ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ መበል ሻውዓይ ጉባኤ መፍለዪ ማንነት ኣፍሪካ ተሳቲፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ዝተወከለ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ዝተሳተፍሉ ኣብ መበል ሻውዓይ ጉባኤ መፍለዪ ማንነት ኣፍሪካ ኣብ ኬኒያ ተሳሊጡ። ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፕሬዚዳንት ኬኒያ ዌሊያም ሩቶ፥ ብሄራዊ መፍለዪ ዲጂታል ማንነት ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሽልማት ብሉፅ መገዲ ኣየር ኣፍሪካ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓመታዊ መረፃ ተጓዓዝቲ ሽልማት ብሉፅ መገዲ ኣየር ኣፍሪካ ረኺቡ። እቲ መገዲ ኣየር፥ ምእንግዶት በረራ፣ ተሃድሶ፣ ምግብን መስተን፣ ኣገልግሎት “ዋይ.ፋይ” ዓውዲታት ከምዝኾነ ካብቲ መገዲ ኣየር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።…

ንቴሌቪዥን ፕራይም ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ንቴሌቪዥን ፕራይም ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቡ። እቲ በዓል መዚ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ቁፅሪ ኣዋጅ 1238/2013 በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ብምርቋሕ…

ባንኪ ዘመን ዘህነፆ ሓዱሽ ዋና ቤት ዕዮ ቀፃሊ ቀዳም ክምረቕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዘመን ዘህነፆ ሓዱሽ ዋና ቤት ዕዮ ቀፃሊ ቀዳም ክምረቕ ኢዩ። ኣቦ መንበር ቦርድ እቲ ባንኪ ኣይተ ኤርሚያስ እሸቱ፥ እቲ ባንኪ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ንዓማዊሉ ቅልጥፉን ኣተኣማማኒን ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ ኢሎም። ባንኪ ዘመን…

ኣኼባ ሚኒስትራት ገንዘብ ኢኒሼቲቭ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ግብፂ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣኼባ ሚኒስትራት ገንዘብ ኢኒሼቲቭ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ግብፂ ከተማ ሻርም ኤል ሼክ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ኣኼባ ጎኒ ንጎኒ ዓመታዊ ጉባኤ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዝካየድ ዘሎ እንትኾን፥ ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ምክትል ፕሬዚዳንት ቀጣናዊ…