Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሓድሽ ታሪኽ ብምምዝጋብ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ ትማሊ ረቡዕ ፖላንድ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ገዛ ውሽጢ ውድድር ‘ወርልድ ኢንዶር ማይል’ ካልኣይ ዝቐልጠፈ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊታ። ኣብ ቶሩን ፖላንድ ንዝተኻየደ ውድድር ብ4 ደቒቕ 16 ካልኢትን 16 ንኡስ ካልኢትን ዝዛዘመቶ ኮይና…

ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኣካዳሚ ምርምር ኣመራርሓ ኣፍሪካ ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኣካዳሚ ምርምር ኣመራርሓ ኣፍሪካ ዑደት ኣሳሊጦም። ርእሰ ኣካዳሚ ምህረት ደበበ፥ እቲ ትካል ብዝተማልአ ማእኸል ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ የሰለጥን ከምዘሎ ተዛሪቦም። እዚ ድማ…

ሰውነትና ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ንኸዓቢ ዝሕግዙ መገዲታት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰውነትና ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክዓቢ ምግባር ብሕማም ከይንጥቃ ይሕግዘና። ሰብ ሞያታት ሕክምና፥ ሰውነትና ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንምዕባይ ካብ ኣመጋግባ ጀሚሩ ስሩዕ ዝኾነ ኣነባብራ ህይወት ክንክተል ከምዝግባእ ይምዕዱ። ኣመጋግባ…

ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ካብ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ካብ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን  መግለፂ ተዋሂቡ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ እዋናዊ ኩነታት ዝገምገመ እቲ ግብረ ሓይሊ፥ እቲ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ዝግበር…

ኣምባሳደራትን መዳርግቲ ኣካላትን ሃገራት ኣውሮፓ ስራሕቲ ልምዓት ኢትዮጵያ ከምዝድግፉ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ኣምባሳደራትን መዳርግቲ ኣካላትን ሃገራት ኣውሮፓ ትልሚን ስራሕቲ ልምዓትን ኢትዮጵያ ከምዝድግፉ ገሊፆም። ሚኒስትር ግብርና ዶክተር ግርማ ኣመንቴ፥ ምስ ኣምባሳደራት ሃገራት ዴንማርክ፣ ኖርዌይ፣ ኔዘርላንድን ሕብረት ኣውሮፓንን ኤጀንሲ ትሕብብር…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማልታ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማልታ ሮበርት አቤላ ተዛቲዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ሎሚ ንጎሆ ብቀዳማይ ሚኒስትር ማልታዕላዊ ስነስርዓት  ኣቀባብላ ተገይሩሎም። እቶም መራሕቲ፥  …

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝተማልአ ኣገልግሎት ባንኪ ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝተማልአ ኣገልግሎት ባንኪ ምሃብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ኮርፖሬት ኮሚኒኬሽን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣልሰን ኣሰፋ ንፋና ብሮድካስቲንክ ኮርፖሬት ከምዝገለፅዎ፥ ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ብሰንኪ ዝነበረ ፀገም…

ግዚያዊ ውፅኢት ድምፂ እቲ ህዝበ ውሳነ ንህዝቢ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግዚያዊ ውፅኢት ድምፂ ኣብ ትሕቲ ብሄር ብሄረሰባት ክልል ደቡብ ናይ ዝርከባ 6 ዞባታትን ሓሙሽተ ፍሉያት ወረዳታትን ናይ ዝተኻየደ እቲ ህዝበ ውሳነ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ምርጫ ቦርዲ ኣፍሊጡ። ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ምርጫ ቦርዲ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ቱርኪን ሶሪያን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ህይወት ሰብ ብምጥፍኡ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቱርኪን ሶሪያን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ህይወት ሰብ ብምጥፍኡ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብዘጋጠመ ጉድኣት ምሕዛኖም ገሊፆም።…

ሰራዊት ምክልኻል ውሽጣዊን ግዳማዊን መጥቃዕቲታት ክምክት ዘኽእል ስራሕቲ ሪፎርም ከምዝተሰርሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ውሽጣዊን ግዳማዊን መጥቃዕቲታት ክምክት ዘኽእል ስራሕቲ ሪፎርም ከምዝተሰርሐ ተገሊፁ። ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ 2015 ዓ.ም ሚኒስቴር ምክልኻል ይግምግም…