Fana: At a Speed of Life!

ብራዚላዊ ውሩይ ተፃዋታይ ኩዕሶ እግሪ ፔለ ኣብ 82 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብራዚላዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ፔለ፡ ኣብ መበል 82 ዓመቱ ዓሪፉ። ፔለ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝፀንሓሎም 21 ዓመታት ኣብ 1368 ፀወታታት 1 ሺሕን 281 ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ዩ። ንሃገሩ ብራዚል ወኪሉ ኣብ ዘካየዶ 92 ግጥማት ድማ 77 ሸቶታት…

ኣሜሪካ ንታይዋን ናይ 200 ሚሊየን ዶላር መሸጣ ኣፅዋር ኲናት ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንታይዋን ናይ 200 ሚሊየን ዶላር መሸጣ ኣፅዋር ኲናት ፀረ ታንኪ ውዕል ኣፅዲቑ። እቲ ስምምዕነት ናይ ታይዋን ዘርፈ ብዙሕ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምጉልባት ዓብዪ ግደ ከምዘበርከት ተገሊፁ። እቲ ውዕል ኣብ መነጎ…

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢንስቲትዩትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ከቲሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢንስቲትዩትን ኣብ ዝተፈላለዩ ስትራቴጂያዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ከቲሞም። ኣብቲ ሰነድ ናይ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኣድማሱ ዳምጠውን ናይ…

ወጋገን ባንኪ ኣብ ሽረ ዲስትሪክት ተወሳኺ ቅርንጫፋት ዳግም ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ወጋገን ባንኪ ኣብ ሽረ ዲስትሪክት ተወሳኺ ቅርንጫፋት ዳግም ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሩ ኣፍሊጡ። ወጋገን ባንኪ ብምኽኒያት ጎንፂ ኣገልግሎት ተቛሪፁዎም ዝፀንሑ ኣብ ትሕቲ ሽረ ዲስትሪክት ዘርከቡ፥ ዓድዋ፣ ኣክሱም፣ ዕዳጋ ኣክሱም፣ ሶሎዳ፣ ዓዲ ኣቡን፣…

ናይ ኢጋድ ዋና ፀሓፊ ወርቅነህ ገበየሁ ናብ መቐለ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኢጋድ ዋና ፀሓፊ ወርቅነህ ገበየሁ ናብ መቐለ ኣቲዮም። እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ ኢትዮጵያ ኲናት ደው ንምባል ብመሰረት ዝተገበረ ስምምዕነት ዝተጣየሸ ሓበራዊ ናይ ክትትልን መረጋገፅን ስርዓት ንምጅማር ኢዮም ናብ መቐለ ኣምሪሖም። ኣብ መንጎ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መጀመሪ መርሃ ግብሪ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን(ስማርት ሲቲ)  መጀመሪ መርሃ ግብሪ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ መርሃ ገብሪ ናይ ኣዲስ ኣበባ ምምሕዳር ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራለን እታ ከተማን ተረኺቦም።…

ኢትዮጵያ ብሄራዊ ጥቕማ ካብ ምሕላው ብዝሓለፈ ንኣፍሪካ ጥቕምን ድልየትን ምኽባር እትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ- ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብዲብሎማሲ ዓውዲ ብሄራዊ ጥቕማ ካብ ምሕላው ብዝሓለፈ ንኣፍሪካ ጥቕምን ድልየትን ምኽባር እትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ክብሉ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። እቶም ኣምባሳደር፥ ኢትዮጵያ ብዲብሎማሲ ዓውዲ ዘርፈ ብዙሕ ተግባራት…

ጎንፂታት ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ነዳዲ ዘከፋፍሉ 14 ኩባኒያታት ብቐጥታ ካብ ጂቡቲ ነዳዲ ንክፅዕኑ ተፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ነዳዲን ኢነርጂን በዓል ሰልጣን ጎንፂታት ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ነዳዲ ዘከፋፍሉ 14 ኩባኒያታት ብቐጥታ ካብ ጂቡቲ ነዳዲ ንክፅዕኑ ፈቒዱ። ኣብቲ በዓል ሰልጣን ናይ ነዳዲ ኣቕርቦት፣ ሎጂስቲክስን ክትትልን ዳይረክተር ኣይተ ፈቃዱ…

መቐለ ሓዊሱ ክሳብ ሐዚ 31 ከተማታት ኣገልግሎት ቴሌኮም ዳግም ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐለ ሓዊሱ ክሳብ ሐዚ 31 ከተማታት ኣገልግሎት ቴሌኮም ዳግም ከምዝጀመረ ኢትዮ ቴሌኮም ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ፦ ትማሊ መቐለ፣ ውቕሮ፣ ኲሓን ኣብዓላን እቲ ኣገልግሎት ረኺበን። እቲ ኣገልግሎት መሊስካ ንምጅማር ትሽዓተ ጉጅለታት ቴክኒክ…

682 ኢትዮጵያዊያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)682 ኢትዮጵያዊያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ካብ እቶም ተመለስቲ እተን 7 ደቂኣንስቲዮ ከምኡውን 2 ትሕቲ ዕድመ ከምዝኾኑ ተገሊፁ። እቲ ናይ ምምላስ ከይዲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ…