Fana: At a Speed of Life!

ብዘይ ኣግባብ ትርፊ ንምርካብ ዝሰርሑ ሰብ ሃፍቲ ስርዓት ንምትሓዝ ከምዝስራሕ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4ሰነ ፣2014 (ኤፍ ቢሲ)መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ብዘይ ኣግባብ ትርፊ ንምርካብ ዝሰርሑ ሰብ ሃፍቲ ስርዓት ንምትሓዝ ከምዝስራሕ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም። እቶም ርእሰ ምምሕዳር ሎሚ ኣብ ዶከም ብውልቀ በዓል ሃፍቲ ዝተሃነፀ ፋብሪካ ሓፂነ መፂን ኣብ…

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታን ቂርቆስን ዝሳለጡ ዘለዉ ናይ 60 መዓቲታት ኣፈፃፅማ ፕሮጀክትታት ዑደት ገይረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስን ልደታን እናተሳለጡ ዝርከቡ ናይ 60 መዓልቲታት ኣፈፃፅማ ፕሮጀክትታት ተዘዋዊረን ዑደት ገይረን። እተን ከንቲባ ኣብተን ክፍለ ከተማታት ብፍሉይ ኩነታት ዝሳለጥ ዘለዉ ሰብ ተኮር ፕጀክትታት በቢእዋኑ…

ኣይተ ደመቀ መኮነን ሓዱሽ ምስ ዝተሾለሙ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሚካኤል ሃመር ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክጀትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ሓዱሽ ምስ ዝተሾለሙ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሚካኤል ሃመር ተዛቲዮም። ኣብ ቲ ዘተ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ጎንፂ ዝተጎድኡ ከባቢታት ኣቕርቦት ሰብኣዊ…

ዝተመሓየሸ ፖሊሲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ናብ ስራሕ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተመሓየሸ ፖሊሲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ናብ ስራሕ ኣቲዩ። እቲ ፖሊሲ ሸቶታተ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ምርካብ ሸርፊ ወፃኢ፣ ምስሳን ሃገራዊ ፍሪያት፣ ሓዱሽ ሃፍቲ ምፍጣርን መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ዝሓዘ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ሚኒስትር…

ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ በንቢ ቁፅፅር ኣፅዋር ኲናት ኣመሓይሹ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ በንቢ ቁፅፅር ኣፅዋር ኲናት ኣመሓይሹ። እቲ ዝተመሓየሸ ደንቢ፥ “ደቅና ንምሕላው ዝወፅአ ደንቢ” ብዝብል ዝተሰናድአ ከምዝኾነ ገሊፁ። ከም ፀብፃብ ሲ ኤን ኤን፥ ኣብቲ ዝርዝር ደንቢ ሰባት ኣፅዋር ምግዛእ ዝኽእልሉ ዕድመኦም ካብ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ክልቲኣዊ ርክበን ብዝበለፀ ከምዝጠናኸር ዘለዎም እምነት ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ክልቲኣዊ ርክበን ብዝበለፀ ከምዝጠናኸር ዘለዎም እምነት ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ በዓለ ሹመት ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሃሰን ሼህ ሞሃመድ ተረኺቦም ኣበ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣብ ሶማሊያ…

ዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት ግብርና ኣብ ልምዓት ኢትዮጵያ ዘለዎ ተሳትፎ ኣጣናኺሩ ንክቕፅል ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት ግብርና ኣብ ልምዓት ኢትዮጵያ ዘለዎ ተሳትፎ ኣጣናኺሩ ንክቕፅል ሚንስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ  ሰመሪታ ሰዋሰው ሓቲተን። እተን ሚኒስትር ዴኤታ ብምክትል ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት ግብርናን ሓላፊ ዲፓርትመንት…

 “ማሕበረሰብ ዓለም ትኹረት ይሃበና” ክብሉ ተመዛበልቲ ራያን ኣላማጣን ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)“ማሕበረሰብ ዓለም ትኹረት ይሃበና” ክብሉ ተመዛበልቲ ራያን ኣላማጣን ሓቲቶም። ብምኽኒያት ወራርን ግፍዕን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተመዛበሉ ልዕሊ 28 ሺሕ ዜጋታት ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ኣብ ዝርከለብ ጃራ ዝተብሃለ መዓስከር ተመዛበልቲ ይርከቡ። እቶም…

ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ነበርቲ ንምቕራፍ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ይናደዩ ከምዘለዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ነበርቲ ንምቕራፍ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ይናደዩ ከምዘለዉ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ገሊፁ። ሚኒስትር ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ ኣፈፃፅማ መደባት እቲ ሚኒስቴር ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪበን። እተን ሚኒስተር ኣብ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ በዓለ ሹመት ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ ሞሃመድ ንምርካብ ናብ ሞቃዲሾ ኣምሖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ በዓለ ሹመት ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ ሞሃመድ ንምርካብ ናብ ሞቃዲሾ ኣምሖም። ኣብቲ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ፥ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ በልፅግና ኣደም ፋራህ፣ሚኒስተር ገንዘብ ኣሕመድ…