በሪ ባሕሪ ንዘላቒ ዕቤት ኢኮኖሚ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ወናኒ በሪ ባሕሪ ምዃን ንሓፈሻዊ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ምንቅስቓስ ሓንቲ ሃገር ወሳኒ መሰረት እዩ።
ብብርኪ ዓለም ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ዝኸውን ምንቅስቓስ ንግዲ ዝካየድ ብትራንስፖርት ባሕሪ ብምዃኑ፣ ቀጥታ ወናኒ በሪ ባሕሪ ምዃን ንዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ንሃገራዊ ምዕባን ቁልፊ ግደ ይፃወት።
በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ንምንቅስቓሳት ንግዲ ወፃኢአን ኣብ መስመራት ጎረባብቲ ሃገራት ወደባትን ትራንስፖርትን ፅግዕተኛ ክኸውን ብምግባር፤ ንተወሳኺ ናይ ወደብን ታሪፍን ወፃኢ ከምኡ እውን መሸጢ ዋጋ ኣቑሑት ምውሳኽ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ዘለዎም ተወዳዳራይነት የዳኽም።
ብኣንፃሩ ብቐጥታ ምውናን በሪ ባሕሪ ናይ ትራንስፖርት ወፃኢ ብዝለዓለ ደረጃ ብምንካይ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ክኾኑ የኽእሎም።
ምውናን በሪ ባሕሪ ኣብ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ዝሳተፉ ኩባንያታት ፍርያቶም ብቐሊሉ ናብ ዕዳጋ ዓለም ከጓዓዕዙ ዘኽእሎም ምቹው መሰረተ ልምዓት ሎጂስቲክስ ንኽረኽቡ ይሕግዝ።
ኣተውቲ ጥረ ኣቕሑን ወጻኢ ንግዲ ፍርያት ፋብሪካታትን ብቕልጡፍን ብዝተሓተ ወፃኢትን ክሳለጥ ብምግባር ኢኮኖሚ ሃገር ብዝለዓ ደረጃ ይድግፍ።
ወናኒ በሪ ባሕሪ ምዃን ካብ ኣገልግሎት ወደብ ብተወሳኺ ሰፊሕ ሃፍቲ ባሕሪ ብዝተፈላለየ መገዲ ንምጥቃም የኽእል።
ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ሃፍቲ ዓሳን ኣብ ባሕሪ ዝርከቡ ተፈጥሮኣዊ ፍርያታትን ንወፃኢ ዕዳጋ ብምቕራብ ገማግም ባሕሪ ዘለዎም ክብሪ ብምውሳኽ ናብ መብፅሒ ቱሪዝም ብምቕያር፣ ልዑል እቶት ንምርካብ የኽእል።
ምስ ወደብ ባሕሪ ተተሓሒዞም ዝህነፁ መሰረተ ልምዓታት ወደብ፤ ናፃ ዞባታት ንግዲን ፓርክታት ኢንዱስትሪን ንዜጋታት ልዑል ዕድል ስራሕ ይፈጥሩ።
ብምኽንያት በሪ ባሕሪ ዘይምህላው ንኽራይ ወደብን ክፍሊት ትራንዚትን ዝኽፈል ልዑል መጠን ሸርፊ ወፃኢ ይሓትቱ።
ምውናን በሪ ባሕሪ እንትህሉ እዞም ወፃኢታት ብምውጋድ እታ ሃገር ንዝተፀርሑ ክፍሊታት ዝውዕል ሸርፊ ወፃኢ ናብ ካልኦት መሰረታዊ ፕሮጀክትታት ልምዓት ፃተውዕሎ ይሕግዛ።
ብሓፈሻ በሪ ባሕሪ መስመር ንግዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ተወዳዳራይነት ናፅነት ኢኮኖሚ ሃገርን ዘላቒ ልምዓትን ዘረጋግፅ ወሳኒ ስትራቴጂያዊ ሃፍቲ እዩ።
ኣብ እዋናዎ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግዲ ተወዳዳሪ ኮይንካ ንምቕፃልን ኩነታት ናብራ ዜጋታትን ንምምሕያሽ ዘተኣማምን ኣማራፂ በሪ ባሕሪ ምህላው መሰረት ዘላቒ ዕቤት እዩ።
ኢትዮጵያ እውን ብመንግስቲ መደመር ኣቢላ ታሪኻዊን ሕጋዊን መሰል በሪ ባሕራ ንምጥቃም እተቕርቦ ዘላ ሕቶ፤ ምስ ዝተረፈ ዓለም ብማዕረ ተወዳዳሪት ኮይና ንምዕባይ ዝዓለመ ናይ ፍትሓውነትን መሰልን ህላወን ሕቶ እዩ።
እዚ ንዘመናት ዝፀንሐ ናይ ህላወ ሕቶ ናብ ጋህዲ ህሳብ ዝኸውን ኢትዮጵያውያን ካብ ዓበይቲ ክሳብ ኣናእሽቲ ብሓድነት ጠጠው ክብሉ ይግባእ።
ብመልካም ፈቃዱ