Fana: At a Speed of Life!

ኢንስቲቲዩት ቴክስታይልን ፋሽን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ISO/IEC 17025 ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብራቶሪ ፍተሻ ዩንቨርስቲ ባህርዳር ኢንስቲቲዩት ቴክስታይልን ፋሽን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ISO/IEC 17025 ረኺቡ። ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መበል ዓስራይ ዓለም ለኸ መፅናዕቲ ዝተረኸቡ ተወካሊ ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ…

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ኣርባዕተ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል ሻምናይ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ኣርባዕተ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። እቲ ቤት ምኽሪ ስልጣንን ተግባርን ኣካላት ኣፈፀምቲ ስራሕ ፌዴራል ንምውሳን ኣብ ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1263/2014…

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀለም ህንፃታት ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ግንቦት ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀለም ህንፃታት ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ኣዲስ ኣበባ ከም ስማ ውቅብቲ ንክትከውንን ዓለም ለኸ ደረጃ ዝምጥን ፅባቐ ንክህልዋን ካብ መንጎ ዝስርሑ ስራሕቲ ቀለም ህንፃታትን ቁመትን ዝውስን ኣሰራርሓ ምትግባር ኢዩ ኢሉ።…

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንምክልኻል ሕፅረት መግቢ ዝውዕል 1 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንምክልኻል ሕፅረት መግቢ ኣብታ ኣህጉር ዝርከባ ሃገራት ዝውዕል እዩ ዝበሎ 1 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ኣፅዲቑ። እቲ ባንኪ ዘፅደቖ ድጋፍ ኣብ ኲናት ዩክሬን ሩስያ ዘጋጠመ ሕፅረት ቀረብ ንምሽፋን ዝውዕል እንትኸውን፥…

“ስለ ኢትዮጵያ” ዝተሰመየ ሃገራዊ መድረኽ ኣብ ድሬዳዋ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) “ስለ ኢትዮጵያ” ብዝብል ርእሲ ዝተሰናደአ መበል ካልኣይ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ምክያድ ጀሚሩ። ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሓመድ ሺዴ፣ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበልን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ፣ ሰብሙያ…

ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ 1193 ምልምል ኣባላት ፖሊስ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ካብ ማእኸል መሰልጠኒ ፖሊስ ኮንቲንጀንት ኮልፌ 1 ሽሕን 193 ሓደሽቲ ምልምላት ፖሊስ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኸባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ፖሊስ ምዃን ክቡር ሞያ እዩ ኢለን።…

መበል ዓስራይ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ምርምርን መፅናዕትን ቱሪዝም ኣብ ሰመራ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ዓስራይ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ምርምርን መፅናዕትን ቱሪዝምኣብ ከተማ ሰመራ ምክያድ ጀሚሩ። እቲ ኮንፈረንስ፥ "ቱሪዝም ንፈጠራ ዕድል ስራሕ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ። እቲ  ኮንፈረንስ  ኢንስቲትዮት መሰልጠኒ ቱሪዝም ኣብ ኢትዮጵያ…

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ትማሊ ካብ ዝነበረሉ ብብዙሕ ዕፅፊ ኣብ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣሎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ትማሊ ካብ ዝነበረሉ ብብዙሕ ዕፅፊ ኣብ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣሎ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቀዳማይ ዙር ስነስርዓት ምረቓ ዋር ኮሌጅ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ተረኺቦም፡፡…

ሓጋዚት ዋና ፀሓፊ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ካብ ፅባሕ ጀሚረን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብራ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓጋዚት ዋና ፀሓፊ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኢልዜ ብራንድስ ኬሪስ ካብ ፅባሕ ጀሚረን ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ክገብራ ኢየን። እቲ ዑደት ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝፀንሕ ከምዝኾነ ቢሮ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ…

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሃኖም ስልጣኖም ተጠቒሞም ዕላማ ህወሓት ካብ ምፍፃም ደው ንከብሉ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሃኖም ስልጣኖም ተጠቒሞም ዕላማ ህወሓት ንምፍፃም ዝገበርዎ ተግባር ደው ንከብሉ ትሽዓተ ትካላት ነቶም ዳይሬክተር ብሓባር ብዝፀሓፍዎ ግልፂ ደብዳበ ሓቲቶም። እቲ ደብዳበ ዝፀሓፉ፥ ማሕበር ሕክምና…