Fana: At a Speed of Life!

ሓያል ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ይኽእል ኢዩ-ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሓያል ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ከምዝኽእል ዝገልፁ ሓበሬታታት ከምዘለዉ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ስለዝኾነ ብፍላይ ኣዋሰንቲ ወረዳታት እተን ክልላት ብሓፈሻ ድማ ኩለን…

ኣብ ዩንቨርስቲታት ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ዘኽእል ዛዕባ ብምድሃብ ዘተ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ስሩዕ ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ዘኽእል ዛዕባ ብምድሃብ ዘተ ይግበር ኣሎ። እተን ትካላት ኣብ 2012 ዓ.ም ኮሮና ንምክልኻል ዝዓመመኦም ቁልፊ ተግባራት ብዝምልከትን ዝመፅአ ውፅኢትን ኣብቲ መድረኽ ብምቕራብ ይግምገም…

ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ ብምኽኒያት ሕልፈት ህይወት ሱልጣን ሃንፈሬ ዓሊሚራህ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ ብምኽኒያት ሕልፈት ህይወት ሱልጣን ሃንፈሬ ዓሊሚራህ ዝተሰመዖ ዓሙይቕ ሓዘን ገሊፁ። ፕሬዚዳንት ክልል ዓፋር ብምዃን ዘገልገሉ መንፈሳዊ መራሒ ዓፈር ሱልጣን ሃንፈሬ ዓሊሚራህ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ መበል 74 ዕድሚኦም…

ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ቢሸፍቲ ንኣገልግሎት ድሉው ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ልዕሊ 25 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ብምግባር ዝተሃነፀ ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ቢሸፍቲ ንኣገልግሎት ድሉው ኮይኑ። ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ከምዝበሎ፥ እቲ ጣቢያ 400/230/15 ኪሎ ቮልት ዘለዎ ልዑል መከፋፈሊ ሓይሊ ኢዩ። መካየዲ…

ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ንክትወፅእ ምስ ኣሜሪካ ትሸማገል ከምዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሱዳን ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣሜሪካ ንምዝርራብ ላዕለዎት ልኡኻት እታ ሃገር ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዝለኣኸት ኣፍሊጣ። ሱዳን ኣብ መዝገብ ኣመሪካ “ንግብረ ራዕዲ ድጋፍ ትገብር እያ” ብዝብል ስማ ኣብ መዝገብ ኣሜሪካ ሰፊሩ ዝርከብ…

ሱልጣን ሃንፈሬ ዓሊሚራህ ካብ’ዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ክልል ዓፋር ብምዃን ዘገልገሉ ሱልጣን ሃንፈሬ ዓሊሚራህ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም። ስለዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብምኽኒያት ሕልፈት ህይወይ ሱልጣን ሃንፈሬ ዓሊሚራህ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም። እቶም…

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 689 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 8 ሺሕን 23 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 689 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 68 ሺሕን 820…

ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሓገዝ ንምግባር ሰመራ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክልል ዓፋር ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሓገዝ ንምግባር ናብ ከተማ ሰመራ ኣቲየን። እተን ምክትል ከንቲባ ኣብ ሰመራ መዕርፎ ነፈርቲ ሱልጣን ዓሊሚራህ ሃንፈሬ እንትበፅሓ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል…

ማእኸል ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ማእኸል ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ሎሚ መዓልቲ መሪቖም ከፊቶም። እቲ ማእኸል ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝተሃነፀ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ዘፈር ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተፈላለዩ…

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ባንኮክ እናተጉዓዓዘ ዝነበረ 4 ኪሎ ግራም ኮኬይን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ናብ ርእሰከተማ ታይላንድ ባንኮክ እናተጉዓዓዘ ዝነበረ 400 ሺሕ ዶላር ዘውፅእ ኣርባዕተ ኪሎ ግራም ኮኬይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።…