Fana: At a Speed of Life!

ፋሲል ከነማ ንመቻል ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 22 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ፋሲል ከነማ ንመቻል 4 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢር ብምስዓር ተዓዊታ፡፡ ኣብቲ ፀወታ ንጋንታ ፋሲል ከነማ ጌታነህ ከበደ ክልተ ሸቶታት እንተመዝግብ÷ ዝተረፋ ድማ ቢኒያም ጌታቸውን ምኞት ደበበን…

ሕግታት እንትወፁ ንሃገርን ህዝብን ዝህብዎ ረብሓ ተፈቲሹ ኽኾን ይግባእ- ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓደሽቲ ሕግታት እንትወፅኡ ፈለማ ንሃገርን ህዝብን ዝህቡዎ ረብሓ ብግልፂ ተፈሊጡን ተፈቲሹን ክኸዉን ከምዝግባእ ኣፈ - ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣተሓሳሲቦም፡፡ ኣብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ መንፈቕ ዓመት በጀት ዓመት 2017 ቀወምቲ…

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኩባ ኣብ ፓርክ ምሕዝነት ኢትዮ-ኩባ ሕቑፊ ዕምበባ ኣንቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኩባ ብሩኖ ኤድዋርዶ ሮድሪጌዝ ፓሪላ ኣብ ፓርክ ምሕዝነት ኢትዮ-ኩባ ሕቑፊ ዕምበባ ኣንቢሮም፡፡ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ሎሚ ወጋሕታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ እቶም ሚኒስትር÷ ኣብ ፃንሒቶም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ…

ኢጋድ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዝጠመተ ህፁፅ ጉባኤ መራሕቲ ኣሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 43 ጉባኤ መራሕቲ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ተሳሊጡ፡፡ እቲ ብመርበብ ሓበሬታ ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ÷ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ደቡብ ሱዳን ጠመተ ዝገበረ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡ ኣብቲ ጉባኤ ዋና ፅሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ…

1 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ሎሚ መልቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም (ዶ/ር)ን ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር…

ፓትሪስ ሞትሴፔ ፕሬዚዳንት ካፍ ብምዃን ዳግም ተመሪፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓትሪስ ሞትሴፔ ፕሬዚዳንት ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ብምዃን ብዘይተነሓናሒ ዳግም ተመሪፆም፡፡ ደቡብ አፍሪካዊ ወዲ 63 ዓመት ፕሬዚዳንት ካፍ እዚ እዋን ፓትሪስ ሞትሴፔ ዳግም ምምራፆም ስዒቡ÷ ክሳብ 2029 ብፕሬዚዳንትነት ክመርሑ…

እንግሊዝ ንሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ከምተጠናኽር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ምስ ዳይሬክተር ልምዓት ኤምባሲ እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ፖል ዋልተርስ ተዛትዮም፡፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምትሕብባር ንግድን ኢንቨስትመንትን ከምኡ እዉን ኣብ ክልተኣዊ ዕድላት ዕዳጋ ምዝታዮም…

ንዕድጊት እታወት መድሓኒትን ሕክምናን 12 ቢሊየን ብር በጀት ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልዕሊ 12 ቢሊየን ብር በጀት ብምምዳብ ዕድጊት እታወት መድሓኒትን ሕክምናን ንምፍፃም ምድላው ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡ ሚኒስቴር ጥዕና ብብርኪ ሃገር ለኸ ምስ ዝርከቡ 5 ሺሕ ሓለፍቲን መዳርግቲ ኣካላትን ዓውዲ ጥዕና ይዝቲ ኣሎ፡፡…

ኣብ ክልል ትግራይ ልምዓት ፍርያት ዓሳ ንምስፋሕ ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ልምዓት ፍርያት ዓሳ ንምስፋሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ። በዓል ሞያ ዘፈር ሃፍቲ እንስሳን ዓሳን እቲ ቢሮ ኣይተ ኪዳነማሪያም ተካ፤ ኣብ ኣናእሽቲ ግድባት ልምዓት…

ምዝገባ ጉዕዞ መበል 1 ሺሕን 446 ሓጅን ዑምራን ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)እዋን ምዝገባ ጉዕዞ መበል 1ሺሕን 446 ሓጅን ዑምራን ክሳብ 20 መጋቢት 2017 ዓ.ም ከምዝተናወሐ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ከይዲ ምንዋሕ ግዘ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ክሳብ 20 መጋቢት 2017 ዓ.ም ከምዝካየድ…