Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ሓበራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ይግባእ – ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ሓበራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ከምዝግባእ ሚኒስትር ሰላም ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም ገሊፆም። ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ህንፀት ሃር መሰረታዊ ጉዳያት ዘድሀበ መድረሕ ስልጠናን መጀመሪ ጎስጓስን…

ሕብረት ኣፍሪካ ብናይ ሕሶት ሰነድ ካብ ሒሳብ ባንኩ ገንዘብ ንምውቅፃእ ዝተገበረ ፈተነ ኮኒኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 15 ሚያዝያ 2024 ኣብ ዋና ቤት ዕዮኡ ካብ ዝርከብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብናይሕሶት ሰነድ ገንዘብ ንምዝውዋር ዝተገበረ ፈተነ ኮኒኑ፡፡ እቲ ጉዳይ ኣስመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሰራሕተኛታት ባንኪ ንግዲ…

ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ናብ ጎስጓስ ‘ንፅህቲ ኢትዮጵያ’ ተፀምቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ናብ ጎስጓስ ‘ንፅህቲ ኢትዮጵያ’ ተፀምቢሩ። ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዕላዊ ተገይሩ “ንፁህ ጎደና - ናብራ ብጥዕና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ዝርከብ ጎስጓስ ‘ንፅህቲ…

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ጠሚቶም ምስ ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ጠሚቶም ምስ ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲዮም። ቅድሚ ሓደ ወርሒ ከይዲ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር ኣብ ምንታይ ብርኪ ከምዝርከብ ሓፈሻዊ ገምጋም ከምዝተገበረ ዘዘኻኸሩ…

ኣብ ኢትዮጵያ ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል 10 ሚሊየን ሄክታር ከምዘሎ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ 10 ሚሊየን ሄክታር ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል መሬት ከምዘለዋ ብመፅናዕቲ ከምዝተፈለየ ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣፍሊጡ፡፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ መበል 23 ስሩዕ ኣኼባ ኣፈፃፅማ ትልሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ እቲ ሚኒስቴር…

ሎሚ መዓልቲ ምሸት ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ውሮፓ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ምሸት ኣብ ዝካየድ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ውሮፓ ጋንታታት ባየርን ሙኒክን ሪያል ማድሪድን ክነሓንሓ ኢየን፡፡ ሎሚ ምሸት ካብ ሰዓት 4:00 ጀሚሩ ኣብ ሜዳ ባየር ሙኒክ ኣሊያንዝ ኣሬና ዝካየድ እንትኸውን÷ ናይ…

መድረኽ ጎስጓስ ምላሽ ሓደጋ ጥዕና ሕብረተሰብ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ጎስጓስ ምላሽ ሓደጋ ጥዕና ሕብረተሰብ “ጥንኩር ምላሽ ሓደጋ ጥዕና ሕብረተሰብ ንዘይብዳህ ህንፀት ስርዓት ጥዕና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ይካየድ ኣሎ። እቲ ጎስጓስ ብብርኪ ዓለምን ብብርኪ ሃገርን ዘጋጥሙ ስግኣታት ጥዕና…

ኣብ ከተማ ሸገር ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ 510 ኩንታል ቡን ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሸገር ክፍለ ከተማ ፉሪ ብክልተ ተሸከርከርቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ 510 ኩንታል ቡን ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ። ኣዛዚ መምርሒ ፖሊስ ከተማ ሸገር ክፍለ ከተማ ፉሪ ኮማንደር ፉፋ መገርሳ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት…

ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ፍልይቲ ተወካሊት ዋና ፀሓፊ ውሕመን ሓላፊት ዩኤንሶምን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ፍልይቲ ተወካሊት ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ)ን ሓላፊት ልኡኽቶ ድጋፍ ሶማሊያ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኤንሶም)ንካትሪዮና ላንግ ተዛቲዮም። ኣምባሳደር ታዬ ኣብ ዘተኦም÷…

ብሸርፊ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ብፍርያት ውሽጢ ሃገር ብምትካእ 3 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ምድሓን ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሸርፊ ወፃኢ ናብ ሃገር ዝኣትዉ ፍርያታት ብሃገር በቆል ፍርያታት ብምትካእ 3 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ሚኒስቴር ኣፈፃፅማ ትልሚ 9 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2016 ብዝምልከት ምስ…