Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊታት ሱዳን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ብምጥሓስ ውግእ ከምዝቐፀሉ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተዋጋእቲ ሓይሊታት ሱዳን ን24 ሰዓት ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ገይሮም ይንበሩ እምበር ውግእ እናቐፀሉ ከምዝርከቡ ተገሊፁ። ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኢድ ብምእታው ምስ ኣሸማገሎምን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ምስፈፀሙን፤ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኲናት…

ብልፅግና ቃል ዝኣተዎ ብተግባር ምርግጋፅን ፈተናታት ናብ ዕድል ምቕያርን ዘለዎ ልምዲ እናረጋገፀ ይርከብ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ቃል ዝኣተዎ ብተግባር ምርግጋፅን ፈተናታት ናብ ዕድል ናይ ምቕያርን ዘለዎ ልምዲ እናረጋገፀ ከምዝርከብ ምክትል ፕሬዚዳንትንሓላፊ  ዋና ፅሕፈት እቲ ፓርቲን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም። ኣይተ ኣደም፥ ፓርቲ ብልፅግና ካብ ዝሓለፈ መረፃ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ንህዝቢ ሲዳማ ንበዓል መለወጢ ዘበን ፍቼ ጫምባላላ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ንህዝቢ ሲዳማ በዓል መለወጢ ዘበን ፍቼ ጫምባላላ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። ብቋንቋ ሲዳሚኛ ዘመሓመሓላለፉዎ መልእክት ቀፂሉ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብልዕሊ 342 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፁ ሰብ ተኮር ፕሮጀክታት ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ብልዕሊ 342 ሚሊየን ብር ወፃኢ ኣብ 90 መዓልቲታት ዝተሃነፁ ሰብ ተኮር ፕሮጀክታት ተመሪቖም። እቶም ኣብ 90 መዓልቲታት ዝተሃነፁ ሰብ ተኮር ፕሮጀክታት 27 እንትኾኑ፥ ልዕሊ 342 ሚሊየን ብር ወፃኢ…

ከንቲባ ኣዳነች ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፋውንዴሽን ኮንራድ ኤን ሂልተን ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፋውንዴሽን ኮንራድ ኤን ሂልተን ተዛቲየን። ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ÷ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንህጣናት ምኡውቲ ንምግባር ብልፅቲ ከተማ…

ስራሕቲ ምምዝጋብን ናብ ማእኸል ምእካብን ዕጥቂ ዝፈትሑ ነበር ተዋጋእቲ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሰነ ክጅመር ኢዩ – ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ምምዝጋብን ናብ ማእኸል ምእካብን ዕጥቂ ዝፈትሑ ነበር ተዋጋእቲ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሰነ ከምዝጅመር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኣካል ምስ ህወሓት ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዝኾነ ዕጡቓት ዕጥቂ ምፍታሕ፣ ናብ ሓደ…

ብ400 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ 200 ከተማታት ገፀር ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዋና ግሪድ ርሒቐን ኣብ ዝርከባ ልዕሊ 200 ከተማታት ገፀር ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግባር እናሰርሐ ምዃኑ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ኣገልግሎት፥ ኣብቲ ዓውዲ ምስ ዝተዋፈሩ ውልቀ ትካላትን ማሕበራትን ብምትሕብባር ኣብ…

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ንግዲን ሃንጋሪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ንግዲን ሃንጋሪ ፒተር ሲያርቶ ተዛቲዮም። ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማያዊ ጉዳያትን ብዕመቆት ከምዝዘተዩ ግዜኢ…

4ይ መዓልቱ ኣብ ዝሓዘ ጎንፂ ሱዳን 200 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ጦር ሱዳንን ፍሉይ ሕይሊ ሱዳንን ዝተፈጠረ ጎንፂ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ፡፡ እቲ ጎንፂ ኣብ ሞንጎ ወታደራዊ መራሒ ጦር ሱዳን ጄኔራል ኣብዱል ፈታህ ኣልቡርሃን ዝመርሑዎ ጦርን ምክትሎም ዝነበሩ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን መሓመድ ሃምዳን…

ሃንጋሪ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃንጋሪ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣፍሊጣ። ሚኒስትር ትምህርት ፕሮፌሰር ብርሀኑ ነጋ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ንግዲን ሃንጋሪ ፒተር ሲያርቶ ተዛቲዮም፡፡ እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት…