Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል ዓርቢ ጀሚሩ ናብ መቐለ ዝገብሮ በረራ ኣብ መዓልቲ 2 ግዘ ኣዕቢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 21 ዓርቢ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ናብ መቐለ ዝገብሮ ስሩዕ በረራ ኣብ መዓልቲ ናብ  2 ግዘ ከምዘዕበዮ ኣፍሊጡ። ኣብ ቀፃሊ እውን ድሌትን ቁፅሪን ዓማዊል ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ መዓልቲ ዝገብሮ ምልልስ በረራ ከምዝውስኽ…

ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ቀፃሊ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብተሞክሮ ክቐርብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ቀፃሊ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብተሞክሮ ከምዝቐርብ ኮሚሽነር ጉዳያት ፖለቲካ፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዲዎዬ ገሊፆም። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን…

መቐለ ሓዊሱ 27 ከተማታት ዳግም ኣገልግሎት ቴሌኮም ረኺበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐለ ሓዊሱ 27 ከተማታት ኣገልግሎት ቴሌኮም ከምዝረኸባ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ገሊፀን። እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ÷ ብምኽንያት ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖ 981 ኪ.ሜ ፅገና ፋይበር ሪጅን ሰሜን ኢትዮ ቴሌኮም…

ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ብኲናት ዝዓነዉ ትካላት መርሃ ግብሪ ዳግመ ህንፀት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ብኲናት ዝዓነዉ ትካላት መርሃ ግብሪ ዳግመ ህንፀት ተጀሚሩ። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይልቃል ከፋለ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ከምዝሓበሩዎ÷ “ኲናት መዕነዊን መጥፍኢን ብምዃኑ ኢትዮጵያ ናብ ኲናት…

መራኸብቲ ሓፋሽ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ከድህቡ ይግባእ – ተሳተፍቲ ህዝባዊ መድረኸ ነበርቲ ከተማ ሽረ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መራኸብቲ ሓፋሽ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ኣድሂበን ንኽሰርሓ ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዝተሳተፉ ነበርቲ ገሊፆም። እቶም ተሳተፍቲ÷ ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም ንኽምለሱ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽጠናኸር፣ መራኸብቲ ሓፋሽ ርክብ…

1ይ ስሩዕ ጉባኤ ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ካብ 21 ታሕሳስ ጀሚሩ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ስሩዕ ጉባኤ ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ካብ 21 ክሳብ 25 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ ኣዳማ ክካየድ ኢዩ። ንሓሙሽተ መዓልቲታት ዝፀንሕ እቲ ጉባኤ÷ “ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ምዕባለ ዝተግህ መንእሰይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዳገም ናብ መቐለ ስሩዕ በረራ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዳገም ናብ መቐለ ስሩዕ በረራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። ተቛሪፁ ዝነበረ ትራንስፖርት ኣየር ኣዲስ ኣበባ - መቐለ ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 6 ብዕሊ ከምዝጀመረ በዓል ሞያ ኮሙኒኬሽን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ኣሸናፊ ዘርዓይ ንፋና…

ሩሲያ ወሰን ዋጋ ነዳዲ ምዝወሰና ሃገራት ነዳዲ ከይሽየጥ ኣጊዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ሩሲያ ወሰን ዋጋ ነዳዲ ምዝወሰና ምዕራባውያን ሃገራት ነዳዲ ከይሽየጥ ወሲና። ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ወሰን ዋጋ ነዳዲ ምዝወሰና ሃገራት ነዳዲ ከይሽየጥ ዝእግድ ኣዋጅ ውሳነ ከቲሞም። እቶም ፕሬዚዳንተር ከምዝሓበሩዎ÷ ሃገራት ምዕራብ…

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ምምሕያሽ ሰላም ዝተረኣየሉን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ዝተሳለጠሉ እዋን ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ምምሕያሽ ሰላም ዝተረኣየሉን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ዝተሳለጠሉ እዋን ከምዝነበረ መተሓባበሪ ስራሕቲ መንግስቲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኤልያስ ሽኩር ገሊፁ። ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ…

ዓመታዊ ክብረ በዓለ ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ቁልቢን ሃዋሳን ብድምቀት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓመታዊ ክብረ በዓለ ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ቁልቢን ሃዋሳን ብድምቀት ሃይማናታዊ ስነ-ስርዓት ይኽበር ኣሎ። ኣብ ቁልቢ እናተኸበረ ኣብ ዝርከብ በዓል ፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ…