Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ን200 ደቂ ኣንስትዮ መኣዲ ኣካፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣዲስ ኣበባ ዓሰርቲአን ክፍለ ከተማታት ንዝተውፃእፃኣ 200 ደቂ ኣንስትዮ መኣዲ ኣካፊሉ። ፈጠራ ብዝተሓወሶ መገዲ ብኸመይ መሰረታዊ ኣትክልቲ ኣብ ገዛና ንምፍራይ ከምዝከኣል ዘርእዩ ኣብቲ ቀፅሪ ዝሳለጡ ስራሕቲ…

ቻርልስ ንዴማ ባህሪ ኣብ ጎንፂ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ዓበይቲ ጥሕሰታት ዝምጥን መፍትሒ ንምቕራብ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ንኢዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውሕመ ምክትል ተፀዋዒ ቤት ፅሕፈት ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ቻርልስ ንዴማ ባህሪ ኣብ ጎንፂ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ዓበይቲ ጥሕሰታት ዝምጥን መፍትሒ ንምቕራብ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ንኢዶም። ፆተ መሰረት ገይሮም ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት…

ኣብ ፕሪሜርሊግ ጋንታ ሲዳማ ቡና ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ሲዳማ ቡና ተዓዊታ። ምስ ጋንታ ባህርዳር ከተማ ዝተራኸበት ጋንታ ሲዳማ ቡና 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ። ጊት ጋትኩት፣ ይገዙ ቦጋለን ሃብታሙ ገዛሀኝን ሲዳማ ንኽትዕወት ሽቶታት ኣመዝጊቦም።…

ምስ ምልሻታት ድባጤን በቂዶን ብምትሕብባር ተለኣኣኽቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኾኑ ሸፋቱ ከምዝደምሰሰ ኮማንድ ፖስት መተከል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ መተከል ወረዳታት ድባጤን በቂዶን ዝርከቡ ኣባላት ምልሻ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ብምትሕብባር ተለኣኣኽቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኾኑ ሸፋቱ ከምዝደምሰሰ ኮማንድ ፖስት መተከል ኣፍሊጡ። ተወካሊ ዝተዋደደ ግብረ ሓይሊ ኮማንድ ፖስት ብርጋዴር…

ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 4 ሺሕ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 4 ሺሕ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ቢሮ ፀፅታን ሰላምን እቲ ክልል ኣፍሊጡ። እቲ ቢሮ እዋናዊ ኩነታ እቲ ክልል ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ። ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ደሳለኝ ጣሰው ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ መንግስቲ…

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 10 ሺሕ ቶን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከምዝኣተወ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 10 ሺሕ ቶን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከምዝኣተወ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ። እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብ163 ናይ ፅዕነት ተሽከርከርቲ ክልተ ግዜ ከምዝተጎዓዓዘ ኢዩ ተገሊፁ። ብመሰረት እዚ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም…

ብምኽኒያት ጎንፂ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ቁፅሪ ዜጋታት ልዕሊ 100 ሚሊየን ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ብምኽኒያት ጎንፂ ብግዲ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ቁፅሪ ዜጋታት ልዕሊ 100 ሚሊየን ከምዝኾነ ኣፍሊጡ። ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክሬንን ዘጋጠመ ኲናት ቁፅሪ ስደተኛታት ልዒሊ 100 ሚሊየን ንክኸውን…

ብኲናት ጉድኣት ንዝበፅሖም ትካላት ትምህርቲ መሊስካ ንምህናፅ ዳያስፖራ ሓገዝ ንኽገብር ፃውጢት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳያስፖራ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ዘብፀሐሎም ትካላት ትምህርቲ መሊስካ ንምህናፅ ሓገዝ ንኽገብር ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ፀዊዖም፡፡ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ እቲ ፃውዒት ዘቕረቡዎ፥ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ እንግሊዝ ምስ ላዕለዎት…

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም መንግስቲ ኢትዮያ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንኽኸውን ዝገብሮ ፃዕሪ ንኢዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮግራም ምግቢ ዓለም መንግስቲ ኢትዮያ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ዞጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንኽኸውን ዝገብሮ ፃዕሪ ንኢዱ። ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ክላውድ ጂባር ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብስእነት ሰላምን…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክልል ሃረሪ መህነፂ ባህሊ ማእኸል ዝኸውን ቦታ ተሰናዲኡ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክልል ሃረሪ መህነፂ ባህሊ ማእኸል ዝኸውን ቦታ ከምዝተሰናደአ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። በዓል ዒድ ሸዋል ሃይማኖታዊን ባህላዊን ክብርታቱ ብዝሓለወ መልክዑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸበረ እንትኸውን፥…