Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ሕማም ቲቢ በቢመዓልቱ 57 ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ሕማም ቲቢ በቢመዓልቱ 57 ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። በቢሰዓቱ ድማ 2 ሰባት ህይወቶም ከምዝስእኑ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ። ኣብ ክሊ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ቲቢ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝተባብዑ ውፅኢታት…

መዓልቲ ማይ ዓለም ንመበል 27 ግዘ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መዓልቲ ማይ ዓለም ዓመተ 2021 ንመበል 27 ግዘ ይኽበር ኣሎ። “ንማይ ዋጋ ምሃብ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ዝኽበር ዘሎ። ዕላማ እቲ ዕለተ ማይ፥ ግንዛበ ረብሓ ማይ ንምምዕባልን ፅርየት ከባቢ ንኹሉ ንምርግጋፅን ዝብል ትልሚ ንምዕዋትን…

ኣይተ ደመቀ መኮነን ብሴናተር ክሪስ ኩንስ ምስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣሜሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኣሜሪካ ሴናተር ክሪስ ኩንስ ዝገበርዎ ዘተ ሃናፃይ ከምዝኾነ ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስትር  ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም። ኣፍቲ ዘተ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ…

ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ጉባኤ ኢንቨስትመንት ትራንስፖርት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ጉባኤ ኢንቨስትመንት ትራንስፖርት ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ኢዩ። እቲ ጉባኤ ካብ ዕለተ ረቡዕ ጀሚሩ ንተኸታታሊ ክልተ መዓልታት ዝካየድ እንትኸውን፥ ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ  ካብ ትካል ዝተዳለወ ተልሚ 10…

ኣይተ ስብሓት ነጋን ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማን ሓዊሱ ካልኦት ተጠርጠርቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣይተ ስብሓት ነጋ፣ ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማን ኣምባሳደር ኣባይ ወልዱን ሓዊሱ ካልኦት ተጠርጠርቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። እቶም ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦም ቤት ህንፀት ኣዲስ ኣበባ እንትኸውን፥ ተጠርጠርቲ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ…

ሕፁይ ተወዳዳሪ ፕሬዚዳንት ኮንጎ ብምኽንያት ኮቮድ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕፁይ ተወዳዳሪ ፕሬዚዳንት ኮንጎ ጋይ ብሪስ መረፃ ምስተኻየደ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ብምኽንያት ኮቮድ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም። እቶም ሕፁይ ተወደዳሪ ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ኣብ ድሮ እቲ መረፃ ዝተኻየደሉ እዋን ከምዝነበረ እውን ተሓቢሩ፡፡ ነዚ…

ሽዱሽተ ዓሰርተ ዓመታት ዘቑፀረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮ – ፓኪስታን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣2013 (ኤፍ ቢሲ)ንብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ዘቑፀረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮ - ፓኪስታን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ እፀገነት መንግስቱ ገሊፀን። እተን ምክትል ኣፈ ጉባኤ ኣምባሳደር ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝኾና ሾዛብ ኣባስ…

ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝኸውን 14 ነጥቢ 98 ቢሊየን ብር ካብ ህዝቢ ከምዝተኣከበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝኸውን 14 ነጥቢ 98 ቢሊየን ብር ካብ ህዝቢ ከምዝተኣከበ ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ኣተሓባባሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ገሊፁ። እቲ ግድብ ዝተጀመረሉ መበል 10 ዓመት ኣመልኪቱ ካባ…

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓታት ብሄራዊ ሰራዊት ምክልኻል ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓታት ብሄራዊ ሰራዊት ምክልኻል ተዛቲዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ከምዝተኻየደ ኢዩ፡፡ ኣብ እዋን እቲ ዘተ፥ ሰራዊት…

26 ለጥቢ 8 ሚሊየን ዝኾኑ ብሪታኒያውያን በፃሓት ክታበት ኮቪድ ምርካቦም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)26 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዝኾኑ ብሪታንያውያን በፃሓት ቀዳማይ ዙር ክታበት ቫይረስኮሮና ከምዝወሰዱ ተገሊፁ፡፡ ሚኒስትር ጥዕና ብሪታኒያ ማት ሃንኮክ፥ ከይዲ እቲ ክታበት “ዓቢዪ ዓወት” ክብሉ ገሊፆምዎ፡፡ እታ ሃገር ዓርቢ መዓልቲ ጥራሕ 711 ሺሕን…