Fana: At a Speed of Life!

ዓቃቢ ሕጊ እኒ እስክንድር ነጋ ዝተኸሰሱሉ ገበን ክሲ ኣመሓይሹ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓቃቢ ሕጊ እኒ እስክንድር ነጋ ዝተኸሰሱሉ ሃይማኖትን ብሄርን መሰረት ዝገበረ ሕድሕድ ጎንፂ ብምፍጣር ዝብል ገበን ክሲ ቤት ኣመሓይሹ ኣቕሪቡ። እቲ ዝተመሓየሸ ክሲ፥ ኣብ ዝሓለፈ ቆፀሮ ቀዳማይ መገባእያ ጉዳያት ሕገ መንግስቲን ፀረ ግብረ ራዕዲን…

ሕብረተሰብ በዓል ኢሬቻ ብመሰረት ዝተቐመጠሉ ኣንፈት ንክኽበር ኣባገዳታት ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መናእሰይ ኦሮሞ በዓል ኢሬቻ ብመሰረት ዝተቐመጠሉ ኣንፈት ንከኽብርዎ ኣባገዳታት ኣተሓሳሲቦም። ሕብረት ኣባገዳታት ኦሮሞ ኣብ ክሊ ኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ መግለፂ ሂቦም። ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮናን እዋናዊ ኩነታት ፀፅታን…

ኣፍሪካ ግብሪ ብምጭብርባርን ብስርቂን በቢዓመቱ 89 ቢሊየን ዶላር ትስእን – ውድብ ሕቡራት መንግስታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣፍሪካ ግብሪ ብምጭብርባርን ብስርቂን በቢዓመቱ 89 ቢሊየን ዶላር ከምትስእን መፅናዕቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ። እዚ ድማ ኣፍሪካ በቢዓመቱ ካብ ወፃኢ ሃገራት ንልምዓት ካብ ትቕበሎ ሓገዝ ዝዛየደ ከምዝኾነ ኢዩ እቲ ፀብፃብ ዝገለፀ።…

ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፤ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል “ልዕሊ ርእስኻ ንሃገርን ህዝቢን!” ብዝብል መሪሕ ቓል ፅባሕ ዘኽብሮ በዓል ብዝምልከት ኣብ ሆቴል ሸራተን መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት፣…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ክልል ዓፋር ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ክፋላት ሕብረተስብ ብር 3 ሚሊየን ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ክልል ዓፋር ብሓደጋ ውሕጅን ምዕልቕላቕ ማይን ንዝተጎድኡ ክፋላት ሕብረተስብ ዝውዕል ብር 3 ሚሊየን ሓገዝ ገይሩ። ብኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ዝተመርሐ ልኡኽ፤ ኣብ ክልል ዓፋር ብሓደጋ…

ብህይወት ዘየለ ከንቲባ ኣብ መረፃ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሰንኪ ኮቪድ-19 ህይወቱ ዝሰኣነ ከንቲባ ሮማኒያዊት ከተማ፥ ኣብ ቀረባ መዓልታት ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ መረፃ 64 ሚኢታዊ ድምፂ ብምርካብ ተዓዊቱ። ኣብ ደቡባዊ ሮማኒያ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ዴቨሰሉ ከንቲባ ዝነበረ ኢዮን ኣሊማን ንሳልሳይ ግዜ ኣብ…

ኣብ ቀፃሊ ዓመት ዝኽበር መበል 34 ዓለም ለኸ መዓልቲ  ቱሪዝም ክልል ሲዳማ ከምተሰናድእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዘሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ክልል ሶማሌ እናተኸበረ ዝቐነየ መበል 33 ዓለም ለኸ በዓል መዓልቲ  ቱሪዝም ተዛዚሙ። ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም “ቱሪዝም ንልምዓት ገፀር” ብዝብል መሪሕ ቓል ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ብዝተፈላለዩ ስነ-ስርዓታት…

ኣሜሪካ 2 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዶላር ዝዋገኦም ናውቲታት ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ 2 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዶላር ዝዋግኦም ናውቲታት መለማመዲን ካልኦትን ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓገዝ ምግባራ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ግብረ ራዕዲን ካልኦት…

ምድላዋት ኣቢያተ ትምህርቲ ዘፃሪ ኮሚቴ ናብ ስራሕ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምድላዋት ኣቢያተ ትምህርቲ ዘፃሪ ኮሚቴ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ተገሊፁ። ሚኒስትር ትምህርት ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ፥ ትምህርቲ ንምጅማር ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተገበሩ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም። ብምዃኑ ድማ ድሉውነት ኣቢያተ ትምህቲ…

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 612 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 4 ሺሕን 747 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 612 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 73 ሺሕን 944…