Fana: At a Speed of Life!

ፌስቲቫል ባህሊን ኪነ-ጥበብን ምብራቕ ኣፍሪካ ንምስንዳእ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፌስቲቫል ባህሊን ኪነ-ጥበብን ምብራቕ ኣፍሪካ ንምስንዳእ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ገሊፀን። እተን ሚኒስትር ከምዝገለፀኦ፥ ኣብ መላእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ባህላዊን ኪነ-ጥበባዊን ክብሪታት ገዛኢ ተረኻትን…

ኢራን ሓዱሽ ስርዓት ፀረ ኣውሮፕላን ሚሳኤል ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉጅለ ኤሮስፔስ ኣብዮታዊ ዘብዒ ኢራን መሰረተ ልምዓታት ኑክሌር እታ ሃገር ንምሕላው ሓዱሽ ስርዓት ፀረ-ኣውሮፕላን ሚሳኤል ዕላዊ ገይሩ፡፡ ኣብ ታሪኽ ኢራን ኣዚዩ ዘበናዊ ዝተብሃለ ስርዓት ፀረ-ኣውሮፕላን ሚሳኤል ብጉጅለ ኤሮስፔስ ኢራን ዝተገጣጠመ…

ብዲጂታል ኣማራፂታት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 5 ነጥቢ 3 ትሪሊየን ብር ዝውውር ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዲጂታል ኣማራፂታት 5 ነጥቢ 3 ትሪሊየን ብር ዝውውር ከምዝፈፈፀመ ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ዲቪዥን መርቻንትን ኤጀንት ማኔጅመንትን ዲጂታል ባንኪንግ እቲ ባንኪ ብሌን ሃይለሚካኤል ከምዝበለኦ÷ እቲ…

ኣብ ልዕሊ 84 ናይ ውልቀ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ስጉምቲ ወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዳግም ምዝገባ ንኸካይዱ ፃውዒት ቀሪቡሎም ምዝገባ ኣብ ልዕሊ ዘየካየዱ 84 ናይ ውልቀ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ በዓክ መዚ ትምህርቲን ስልጠናን ኣፍሊጡ፡፡ ፈፃሚት ስራሕ ርክብ ህዝቢን ኮሙኒኬሽንን እቲ በዓል መዚ ማርታ…

ኣብ ትግራይ 13 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ልዕሊ 13 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ከምዝተኣከበ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ጊዜያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ፡፡ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኢያሱ ኣብረሃ (ዶ/ር) ከምዝገለፁዎ÷ ኣብቲ ዘበነ ምህርቲ ዓቕሚ…

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 41 ማእኸላት ምዝገባ ዲጂታል መለለዪ መንነት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 41 ቀወምቲን ተንቀሳቐስቲን ማእኸላት ምዝገባ ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት (ፋይዳ) እናተሳለጠ ምዃኑ ኣብ ኢትዮ-ቴሌኮም ሪጅን ሰሜን ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮ-ቴሌኮም ሪጅን ሰሜን ዳይሬክተር ኦፕሬሽን ሙሉ ወልደስላሴ÷ እቲ…

ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተኣዊጁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣን ኣሜሪካ ሎስ ኣንጀለስ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ 30 ሺሕ ሰባት ከባቢኦም ብምልቃቕ ንኽወፅኡ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ፡፡ እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ዘጋጠመ ሒደት ሰዓታት ካብ 10 ሄክታር ናብ 2 ሺሕን 900 ሄክታር መሬት ከምዝተስፋሕፈሐ…

ብሓደጋ ራዕዲ መሬት 95 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ደቡብ ምዕራብ ቻይና ግዝኣት ቲቤት 7 ነጥብ 1 ሬክተር ስኬል ዝተመዝገበ ራዕዲ መሬት ህይወት 95 ሰባት እንትቀጥፍ ኣብ ልዕሊ 130 ሰባት ጉድኣት ኣብፂሑ፡፡ እቲ ራዕዲ መሬት ልዕሊ 10 ኪሎ ሜትሪ ዕምቆት ከምዘለዎን ሺጋትሲ ኣብ ዝተብሃል…

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማእኸል ምገባ ተስፋ ብርሃን መኣዲ ኣካፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ዝርከብ ማእኸል ምገባ ተስፋ ብርሃን ንዝርከቡ ዓቕመ ደካማታትን ንማሓበራዊ ፀገማት ዝተቓልዑ ወገናትን መኣዲ ኣካፊሉ። እቲ መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ዝተኻየደ…

ኢትዮጵያ ተመራፂት መብፅሒት ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ተመራፂት መብፅሒት ቱሪዝም ንምግባር ነባር መማፅሕቲ ዓለም ለኸ ደረጃ ንኸማልኡ እናተተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን፡፡ እተን ሚኒስትር ኣብ ከተማ ላሊበላ ኣብ ዝተኸበረ በዓል ልደት ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷…