ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብሕክምና ሳይንስ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ኣመሪቑ Gebremariam Weldegerima Mar 1, 2025 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብዓውዲ ሕክምና ሳይንስ ዘሰልጠኖም 197 ተምሃሮ ኣመሪቑ። ካብ ሞንጎ ተመረቕቲ 153 ብሜዲካል ዶክትሬት፣ 21 ብሕክምና ስኒን 23 ተምሃሮ ድማ ብዲግሪ ኣኔስቴዥያን ትምህርቶም እናተኸታተሉ ዝፀንሑ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) መበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም Gebremariam Weldegerima Mar 1, 2025 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ሙሉእ ትሕዝቶኡ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡- እንኳዕ ንመበል…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኢትዮጵያ መማእኸል ስልጠና ዓለም ሚቲዎሮሎጂ ትካል ብምዃን ተሓርያ Gebremariam Weldegerima Mar 1, 2025 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ መማእኸል ስልጠና ዓለም ሚቲዎሮሎጂ ትካል ብምዃን ከምዝተመረፀት ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ኢንስቲትዩት ማእኸል ስልጠና ኣህጉር ኣፍሪካ ናብ ኢትዮጵያ ንምምፃእ እናገበሮ ዝነበረ ፃዕሪ ብትካል ሚቲዎሮሎጂ ዓለም…
ስፓርት መበል 20 ውድድር ሪሌ ማራቶን ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ዓድዋ ይካየድ ኣሎ Gebremariam Weldegerima Mar 1, 2025 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 20 ውድድር ሪሌ ማራቶን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓድዋ ይካየድ ኣሎ፡፡ ፕሬዚዳንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ኣትሌት ስለሺ ስህን ነቲ ውድድር ሪሌ ማራቶን ኣጀሚሮም። ብምድብ ደቂ ተባዕትዮ ሓጎስ ገብረህይወት፣…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ራኢ ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ ንኣዲስ ኣበባ ብኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን እንግዶት ኩነት ኣብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ኮይና ምርኣይ ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች… Gebremariam Weldegerima Mar 1, 2025 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ራኢ ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ ንኣዲስ ኣበባ ብኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን እንግዶት ኩነት ኣብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ኮይና ምርኣይ ኢዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡ እተን ከንቲባ፥ “እዚ ዓብዪ ጉዕዞ ብዕሊ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ በዓል ዓወት ዓድዋ እነኽብሮ ናይቲ ዓወት ከስቢ ብመዳይ ልምዓትን ሰላምን ንምድጋም ኢዩ – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) Gebremariam Weldegerima Feb 28, 2025 0 ዲስ አኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል ዓወት ዓድዋ እነኽብሮ ናይቲ ዓወት ከስቢ ብመዳይ ልምዓትን ሰላምን ንምድጋም ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም። "ዓድዋ ዓወት ፀለምቲ ህዝቢታት’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 129 በዓል ዓወት…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ፆም ረመዳን ፅባሕ ከምዝጅመር ተገሊፁ Gebremariam Weldegerima Feb 28, 2025 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 1 ሺሕን 446 ፆም ረመዳን ፅባሕ ከምዝጅምር ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ገሊፁ። እቲ ቤት ምኽሪ÷ ወርሒ ሎሚ መዓልቲ ብምርኣያ ሎሚ መዓልቲ ብምርኣያ ህዝበ ሙስሊም ብፆምን ፀሎትን ዘሕልፎ ወርሒ ረመዳን ፅባሕ ከምዝጅመር…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ዓብዪ ኮሚቴ ሪፎርም ኣመራርሓ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ራብዓይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ Gebremariam Weldegerima Feb 28, 2025 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ኮሚቴ ሪፎርም ኣመራርሓ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ራብዓይ ስሩዕ ኣኼባኡ ከምዘካየደ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም፤ ኣብቲ ኣኼባ ኣገልግሎት መንግስቲ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ፖርቶ ኣገልግሎት በረራ ምሃብ ክጅምር ኢዩ Gebremariam Weldegerima Feb 28, 2025 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ፖርቱጋላዊት ከተማ ፖርቶ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ኣገልግሎት በረራ ምሃብ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ፡፡ እቲ መገዲ ኣየር ናብታ ከተማ ካብ 9 ሓምለ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ኣገልግሎት በረራ ምሃብ ምጅማሩ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ከባቢ ሃብተጊዮርጊስ ድልድል ብሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዘጋጠመ ጉድኣት ተመልኪተን Gebremariam Weldegerima Feb 28, 2025 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ከባቢ ሃብተጊዮርጊስ ድልድል ብሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዘጋጠመ ጉድኣት ተመልኪተን፡፡ ሎሚ መዓልቲ ለይቲ ሰዓት 10፡35 ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከተማ ወረዳ 6 ከባቢ ሃብተጊዮርጊስ ድልድል ኣብ መንበሪ…