Fana: At a Speed of Life!

ልኡኽትኡ ዝርዳእ ጥንኩር ሰራዊት ምህናፅ ተኻኢሉ ኢዩ – ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልኡኽትኡ ኣፀቢቑ ዝተረደአን ካብ ውግንና ዝረሓቐን ጥንኩር ሰራዊት ምህናፅ ተኻኢሉ ኢዩ ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም፡፡ ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ኣብ ኣፈፃፅማ ልኡኽቶን ኣብ ቀፃሊ ክውገኑ ብዛዕባ…

ትካል ገባሪ ሰናይ ኣይስ ንኣርባዕተ ኣብያተ ትምህርቲ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትካል ገባሪ ሰናይ ኣይስ (EYES) ብልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ብር ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ክልል ትግራይ ንዘርከባ ኣቢያተ ትምህርቲ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ገይሩ። ኣካያዲ ስራሕ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣይስ ኣይተ ብስራት መስፍን÷ እቲ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ…

ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ካብ 23 ክሳብ 25 ጥሪ ከምዝካየድ ኣይተ ኣደም ፋራህ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)2ይ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ካብ 23 ክሳብ 25 ጥሪ 2017 ዓ.ም ከምዝካየድ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲን ኣይተ ኣደም ፋራህ ተዛሪቦም። ኣብ 1ይ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ዝተቐመጡ ኣንፈታትን ውሳነታትን…

ሚኒስቴር ሰላም ምስ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ዘለዎ ምትሕብባር ከምዘጠናኽር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ሰላም ሙሓመድ እድሪስ ኣመራርሓን ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕም ምስ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ዘለዎ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም፡፡ ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ሼኽ ሃጂ ኢብራሂም ቱፋ÷ ሓድነት ሙስሊምን ሰላም ሃገርናን ንምጥንኻር…

በጀት ዩኒቨርሲቲታት ብዘመዝገበኦ ውፅኢት መጠን ከምዝምደብ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዩኒቨርሲቲታት ዝምደብ በጀት ብልክዕ መጠን ዘመዝገበኦ ውፅኢት ከምዝኸውን ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ገሊፆም። ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ብዝተዋደደ መልክዑ ንምምሕያሽ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ። እቲ ስምምዕነት÷…

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ በዓል ልደት ፈረንጂ ንዘኽብሩ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ በዓል ልደት ፈረንጂ ንዘኽብሩ ኩሎም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ እቲ በዓል ሰላም፣ ደስታን ተወሳኺ በረከትን ንኸምፅእ ተመኒዮም፡፡

ፋብሪካታት ሽኮር ድሕሪ ፅገና ምፍራይ ጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፋብሪካታት ሽኮር ኣብ 2016 ዓ.ም እዋን ክረምቲ ድሕሪ ዝተገበረለን ፅገና ስሩዕ ስራሕቲ ምፍራይ ከምዝጀመራ ግሩፕ ኢንዱስትሪ ሽኮር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ ድሕሪ ፅገና ናብ ፍርያት ዝተመለሳ ፋብሪካታት ሽኮር÷ ወንጂ ሸዋ፣ መተሃራ፣ ኦሞ ኩራዝ ቁፅሪ…

ኣካዳሚ ኣመራርሓ ልህቀት ኣፍሪካን ኢጋድን ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣካዳሚ ኣመራርሓ ልህቀት ኣፍሪካን በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)ን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም። እቲ ስምምዕነት ፕሬዚዳንት እቲ ኣካዳሚ ዛዲግ ኣብርሃን ንዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ…

መገደኛታት ዘሳፈረት ኣውሮፕላን ኣብ ካዛኪስታን ተሓምሺሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)105 መገደኛታትን ሓሙሽተ ሰራሕተኛታትን ዝፀዓነት ኣውሮፕላን ኣብ ካዛኪስታን ጥቓ ከተማ ኣክታው ክዝተሓምሸሸት ተሓቢሩ፡፡ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፉ ከምዘለዉ ሚኒስቴር ሃንደበታዊ ሓደጋ ማእኸላዊ እስያ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ዝሓበረ…

ኢትዮጵያን ርዋንዳን ወታደራዊ ምትሕብባረን ንምዕባይ ቆራፃት ከምዝኾና ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ምስ ርዋንዳ መዘነአን ጁቬናል ማሪዛሙንዳ ተዛቲየን፡፡ ኣብ ዘተአን ድማ እተን ሃገራት ኣብ ወታደራዊ ዓውዲ ዘለወን ምትሕብባር ምጥንኻር ኣብ ዝኽእላሉ ኩነታት ትኹት ገይረን፡፡ ክልቲኦም ሚኒስትራት ኣብ…