Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምትንኳይ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ክዕገሱዎ ዘይግባእ እኩይ ተግባር ኢዩ – ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሉኣላዊነት ሃገር ካብ ምሕላው ሓሊፉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓገዝ ኣብ ዝደለየሉ እዋን ብምውፋር ውላድ ቁርፂ እዋን ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምትንኳይ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ክዕገሱዎ ዘይግባእ እኩይ ተግባር ከምዝኾነ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ገሊፁ።…

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተመረቕቲ ተምሃሮ ኣትዮም ሪፖርት ንኽገብሩ ዝገበረኦ ፃውዒት ንግዚኡ ጠጠው ንኽብል ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተመረቕቲ ተምሃሮ ካብ 23 ጥቅምቲ ጀሚሮም ነናብ ዩኒቨርሲቲኦም ኣትዮም ሪፖርት ንኽገብሩ ዝገበረኦ ፃውዒት ንግዚኡ ጠጠው ንኽብል ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስቴር ኣብ…

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ ብምምካት ድሕንነት ህዝቢን ሉኣላዊነት ሃገርን ኣብ ምሕላው ሓላፍነቱ ይዋፃእ ኣሎ – ሚኒስቴር ምክልኻል…

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ህወሓት ዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ ብምምካትን ብምፍሻልን ድሕንነት ህዝቢን ሉኣላዊነት ሃገርን ኣብ ምሕላው ሓላፍነቱ እናተዋፅአ ምዃኑ ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። ሓይሊ ዕጡቕ ህወሓት ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ…

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ንማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ መብርሂ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣቐባሊ ቃል መኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ በዝዓባ ዘሎ እዋናዊ ጉዳይ ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ንማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ መብርሂ ሂቦም። እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ ንማሕበረሰብ ዲፕሎማሲን መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ…

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ክልል ትግራይ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣዊጁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ፌዴሪኢ ኣብ ክልል ትግራይ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣዊጁ። እቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝገበሮ መበል 21 ህፁፅ ፍሉይ ኣኼቡኡ፥ መንግስቲ ሰላምን ህልውናን ሃገር፣ ምርግጋፅ ድሕንነት ዜጋታትን ሃገር ናብ ሁከትን…

ርእሳነ ምምሕዳር ዝተፈላለያ ክልላት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ኦሮሚያ፣ ደቡብ፣ ኣምሓራን ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ተስፋ ብምቑራፅ ኣብ ቀፅሪ ሰራዊት…

ህወሓት ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ቀፅሪ ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ቀ/ሚ ኣቢይ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ህወሓት ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ቀፅሪ ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ ናውቲ እዚ ሰሜን ንምውራር ምፍታኑ እውን ገሊፆም።…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኮኒነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኮኒነን። ዓሌትን ሃይማኖትን ንፖለቲካ ረብሓ ክውዕሉ እንትግበር፣ ሰላማዊ ዜጋታት ብዘስካሕኽሕ ኩነታት እንትቕተሉ፣ እንትመዛበሉን…

ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝፍፀም መጥቃዕቲ ኮኒና

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝፍፀም መጥቃዕቲ ኮኒና። ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥…

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጄኔራል ኣብዱልፈታህ ኣል ቡርሃን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ዑደት ስራሕ ዛዚሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጄኔራል ኣብዱልፈታህ ኣል ቡርሃን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ዛዚሞም። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ እቶም ኣቦ መንበር፥ ዑደቶም ብምዝዛም ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ናብ…