Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ንወታደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራት መብርሂ ይህብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሕዳር፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ንወታደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ መብርሂ ይህብ ኣሎ። ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ቀነኣ ያደታ ኣብ ዝተረኸቡሉ እናተሳለጠ ዝርከብ እቲ መብርሂ፥ ካብ 45 ሃገራት ንዝተውፃእፅኡ ወታደራዊ…

ፓርቲ ብልፅግና ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ኢዱ ብመሃብ ህዝቢ ካብ ምንግልታዕ ከድሕንን ኣብ ኣደባባይ ፍርዲ ንኽዳነን ፀዊዑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ብቕልጡፍ ኢዱ ብመሃብ ህዝቢ ካብ ምንግልታዕ ከድሕንን ኣብ ኣደባባይ ፍርዲ ንኽዳነን ፀዊዑ። መጥፍኢኡ እናተቓረበ ዝርከብ እቲ ጉጅለ ብሰራዊት ምክልኻል ብዝበፅሖ ስዕረት ዝተበገሰ ኣብ ውሽጢ ልዑል ምድኻምን…

ትእዛዝ መትሐዚ ዝወፅአሎሙ ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ ኢድ ንኽህቡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትእዛዝ መትሐዚ ዝወፅአሎሙ ኣመራርሓታት ጉጅለ ካብ ተግባሮም ተቖጢቦም ብሰላም ኢዶም ክህቡ ፃውዒት ቀሪቡ። ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ኣብ ማይ ካድራን ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባት ኣብ መንነት ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ምፍፃሞም እናተፀብፀበ…

ገበን ክሕደት ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ 76 ጀነራል መኮንንናት፣ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናትን ታሕተዎት ሽሞኛታትን መትሓዚ ትእዛዝ ወፅዩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ገበን ክሕደት ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ 76 ጀነራል መኮንንናት፣ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናትን ታሕተዎት ሽሞኛታትን መትሓዚ ትእዛዝ ወፅዩሎም። ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝበሎ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ…

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ደመቀ መኮነን ምስ ፕሬዚዳንት ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ደመቀ መኮነን ምስ ፕሬዚዳንት ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ፌሊክስ ሺሼኬዲ ተዛቲዮም። ኣይተ ደመቀ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ምስ እቶም…

ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ዘድሃበ ዘተ ምስ ተወከልቲ ስቪክ ማሕበራት ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ዘድሃበ ዘተ ምስ ተወከልቲ ስቪክ ማሕበራት ይካየድ ኣሎ። እቲ ዘተ ኣብ ሆቴል ኢሊሌ ኣዲስ ኣበባ ኢዩ ዝሳለጥ ዘሎ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ኣቐባሊ ቃል ፍሰት ሓበሬታ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣምባሳደር ሬዲዋን ሑሴን…

ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ 142 ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ 142 ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ኣራርሳ መርዳሳ ኣፍሊጦም። ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያ ብዝወሰዶ ስጉምቲ 48 ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ እንትኾኑ፥ ናብ ሕብረተሰብ…

ኣብ ክልል ትግራይ ንመርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ሓበሬታ ምሃብ ዘኽእሉ ኣድራሻታት ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ንመርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ሓበሬታ ምሃብ ዘኽእሉ ኣድራሻታት ዕላዊ ኮይኖም። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 93 ሕገ መንግስቲን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ካብ ሓደጋ ንምክልኻል ክበሃል ኣብ ክልል ትግራይ ህፁፅ ግዜ…

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን ደም ለጊሶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ህዳር፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን ደም ለጊሶም። ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣቤ ሳኖ ተረኺቦም ደም ለጊሶም። እቲ ባንኪ ኣብ…

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮነን ምስ ፕሬዚዳንት ሩዋንዳ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ደመቀ መኮነን ምስ ፕሬዚዳንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ተዛቲዮም። ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ነቶም ፕሬዚዳንት መብርሂ ሂቦም። ፕሬዚዳንት ፖል ካጋሜ ብግደኦም፥…