Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 304 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 56 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 304 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 157 ካብ ኣዲስ ኣበባ ፣ 36…

ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን የጋጥም ዝነበረ ውሕጅ ብምትራፍ ተወሳኺ ቦታ ሕርሻ ክረኽቡ ከምዝገበሮም ሓረስቶት ሱዳን ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን የጋጥም ዝነበረ ውሕጅ ብምትራፍ ተወሳኺ ቦታ ሕርሻ ክረኽቡ ከምዝገበሮም ሓረስቶት ሱዳን ተዛሪቦም። ኣልጀዚራ ዘዘራረቦም እቶም ሓረስቶት፥ ግድብ ህዳሰ ኣብ “ግሬት ዳም” ግብፂ ከበቢ ዝርከብ ቦታ ዝተስተኻኸለ ፍሰት ማይ…

ብኽፋል ተዓፂየን ዝነበራ ስራሕቲ መጋባእያ ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ሎሚ መዓልቲ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኽፋል ተዓፂየን ዝነበራ ስራሕቲ መጋባእያ ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ሎሚ መዓልቲ ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀመራ ተገሊፁ። ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ካብ ወርሒ 10 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚረን ስራሕቲ መጋባእያ ብኽፋል ዓፂየን ከምዝነበራ ይፍለጥ።…

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮም ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዛዚሞም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብምዝዛም ትማሊ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ። እቲ ዑደት ስምምዕነት ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ካብ 10 ሺሕ ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ካብ 10 ሺሕ ከምዝዛየደ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕን 334 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 704 ሰባት…

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ስዒቡ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ዘካየዶ ትዕዝብቲን ዝረኸቦ ርካቦትን ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ሰብኣዊ መሰል ስዒቡ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴሪኢ ዘካየዶ ትዕዝብቲን ዝረኸቦ ርካቦትን ዕላዊ ገይሩ። እቲ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ወርሒ ግንቦት 2012 ዓ.ም…

ሕብረት ኣውሮፓ ንዕዉትነት ድርድር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ደገፍ ከምዝገብር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ንዕዉትነት ድርድር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ደገፍ ከምዝገብር ኣፍሊጡ። ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ተወካሊ ክፍሊ ድሕንነትን ፓሊስን ጉዳይ ወፃኢ ከምኡ እውን ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ሕብረት ጆሴፕ ቦሬል ኣብ ክሊ ግድብ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣስመራ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣስመራ ኣምሪሖም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምኡ እውን ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ሬዲዋን ሑሴንን ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ…

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ መበል 87 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። እቲ ቤት ምኽሪ ረቂቕ ኣዋጅ ስምምዕነት ልቓሕ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ ካብ ባንኪ ኤክስፖርት-ኢምፖርት ኮሪያ ዝተረኸበ…

ርኽክብ 5 ሺሕን 910 ፓምፕን ጄኔሬተርን ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)እቶት ንምስስን ብመሰረት ዝተውሃበ ትኹረት ትማሊ ርኽክብ 5 ሺሕን 910 ፓምፕን ጄኔሬተርን ተኻይዱ። ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ዝህሉ ፅዕንቶ ንምቕናስ መእንታን ክከኣል ንዓውዲ መስኖ ካብ ዝተሰለዐ 16 ቢሊየን ብር ብተወሳኺ 1 ነጥቢ 6…