Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥሙወን ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቲ መፍትሒ ከተኣላልሽ ኢዩ — ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥሙወን ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቲ መፍትሒ ከምዘተኣላልሽ ቀዳማይ ሚኒሰትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓረብ ምስ ዝተውፃእፃኣ…

ህወሓት ብሄራዊ መረፃ ቦርድ ፌዴሪኢ ኣፍልጦ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ መረፃ ቦርድ ፌዴሪኢ ንህወሓት ብዕለት 4 ለካቲት 2012 ዓ/ም ኣፍልጦ ሂቡ። ህወሓት ብመሰረት ዝኽተሎ መስመርን ፕሮግራምን ምስ ሓዱሽ ፓርቲ ብልፅግና ከምዘይውሃሃድ ምግላፁ ይፍለጥ። ስለዝኾነ ብመሰረት ቁፅሪ ኣዋጅ 1162/2011…

ኣብ ከተማ መቐለ በዓል 11 ለካቲት ምኽኒያት ብምግባር ምቅማጥ እምነ ኹርናዕ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ጥዕናጣብያታትን ዘመናዊ መናሃርያን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2012 ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ በዓል 11 ለካቲት ምኽኒያት ብምግባር ልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 3 ቢልየን ፈሰስ ዝግበረሎም ኣብያተ ትምህርቲ፣ ጥዕናጣብያታትን ዘመናዊ መናሃርያን ንምህናፅ ስነ-ስርዓት ምቅማጥ እምነ ኹርናዕ ተሳሊጡ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምቕማጥ እምነ…

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ገዛኢ ዱባይን ሼኽ መሓመድ ቢን ረሺድ ኣልመክቱም ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2012 ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ገዛኢ ዱባይን ሼኽ መሓመድ ቢን ረሺድ ኣልመክቱም ተዛትዮም። ሼኽ መሓመድ ቢን ረሺድ ኣልመክቱም፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኢትዮጵያ ንምልዋጥ ዝገብሩዎ…

ኣብ ቻይና ዝመሃሩ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ብቫይረስ ኮረና ንኸይልከፉ ዘኽእል ክትትል ይግበር ኣሎ – ኣይተ ነቢያት ጌታቸው

ኣዲስ ኣበባ፣6 ለካቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መሪሕ ሓሳብ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብታ ኣህጉር ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዘገናዘበ ብምዃኑ ኣብ ኣፍሪካ ሰላም ክሳብ ዝነገስ ተግባራዊ ክኸውን ዝግበኦ ኢዩ ክብሉ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ነቢያት ጌታቸው ገሊፆም። ኣይተ ነቢያት ሎሚ…

ቀ/ሚ ኣቢይ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ንዝተውፃእፅኡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ስታዲየም ሸባብ ኣል ኣህሊ ዱባይ ብምርካብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2012 ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስታዲየም ሸባብ ኣል ኣህሊ ዱባይ ብምርካብ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ንዝተውፃእፅኡ ኢትዮጵያውያን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተሳለጠ እቲ ስነ-ስርዓት፥ ካብ ስዑድ ዓረብ፣…

ዕለተ መውሃቢ ድምፂ ሃገራዊ ምርጫ 2012 ዓ.ም 23 ነሓሰ ንክኸውን ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2012 ኤፍ.ቢ.ሲ)ዕለተ መውሃቢ ድምፂ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ብመሰረት ዝተመሓየሸ ሰሌዳ ጊዜ 23 ነሓሰ ክኸውን ከምዝተወሰነ ተገሊፁ። ኮንፈረንስ መዳርግቲ ኣካላት ምርጫ ሎሚ መዓልቲ ይሳለጥ ኣሎ። መመሓየሺ ሓሳብ እቲ ሰሌዳ ጊዘ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ናብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ መዓልቲ ናብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ኣምሪሖም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብታ ሃገር ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ከካይዱ ኢዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ሕቡራት ኢሜሬታት…

ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትኹረት ዝገበረ “ፓነል” ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋናዊ ኩነታት እዛ ሃገርን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ትኹረት ዝገበረ “ፓነል” ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ።   እቲ መድረኽ ዘተ ብምትሕብባር ስብከተ ወንጌል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንን መምርሒ ተልእኾ…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ኣኼባ ኣዋጅ ኤክሳይዝ ታክስ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ኣኼባ ኣዋጅ ኤክሳይዝ ታክስ ኣፅዲቑ። እቲ ባይቶ ሎሚ 5 ለካቲት 2012 ዓ.ም 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ህፁፅ ኣኼቡኡ ዘካየደ እንትኸውን፥ ረቂቕ ኣዋጅ ኤክሳይዝ ታክስ ብዝምልከት ቀዋሚ…