ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ደብዳቤ ሽመት ኣምባሳደራት 5 ሃገራት ተቐቢለን Gebremariam Weldegerima Mar 10, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለ ወርቅ ዘዉዴ ሃገሮም ንምውካል ተሾይሞም ናብ ኢትዮጵያ ንዝመፅኡ ሓሙሽተ ኣምባሳደራት ደብዳቤ ሽመት ተቐቢለን። ደብዳቤ ሽመት ዘቕረቡ ኣምባሳደራት፦ ኣምባሳደር ፓሃላ ራላጅ ሳናታና ሱጂሽዋራ ጉናራትና ካብ ስሪላንካ፣…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ንሕልፈት 157 ሰባት ምኽንያት ዝኾነ ሓደጋ ቦይንግ 737 ኣውሮፕላን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እንትዝከር Gebremariam Weldegerima Mar 10, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ንብረት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ 737 ኣውሮፕላን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ እናተጉዓዘት እነሃለወ ብሃንደበት ተሓመሸሸት። ቁፅሪ በረራኣ ኢት 302 ዝኾነት ኣውሮፕላን፥ 149 መገደኛታትን…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብሕልፈት ወ/ሮ ነፃነት ኣስፋው ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ Gebremariam Weldegerima Mar 10, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ብሕልፈት ወይዘሮ ነፃነት ኣስፋው ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ። እቲ ባይቶ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓዘን፥ ወይዘሮ ነፃነት ኣስፋው ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ንሰለስተ ዘበናት እቲ ባይቶ ማለት እውን ካብ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ተዛትዮም Gebremariam Weldegerima Mar 10, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 01 መጋቢት ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማህማት ተዛትዮም። ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ዝግበር ዘሎ ድርድር ዝርከበሉ ኩነታት ብዝምልከት…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ተጋዳሊት ነፃነት ኣስፋው ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊያ Gebremariam Weldegerima Mar 9, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነባር ተጋዳሊት ነፃነት ኣስፋው ሎሚ መዓልቲ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊያ። ተጋዳሊት ነፃነት ኣስፋው፥ ኣብ 1970ታት ጋዜጠኛ ሬዲዮ ጀርመን ዝነበረት እንትትኮን፥ ኣብቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብስርዓት ደርጊ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ዝተገበረ ፈተነ ቕትለት ኮኒኖም Gebremariam Weldegerima Mar 9, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ዝተገበረ ፈተነ ቕትለት ኮኒኖም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ህዝቢ ሱዳን ሰላሙ ንምሕላው ልዑል ዋጋ ብምኽፋል ዝነኣድ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣብ ማሕበራዊ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ ኣብ ዘሳልጦ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ከመሓላልፍ ኢዩ Gebremariam Weldegerima Mar 9, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ፅባሕ ኣብ ዘሳልጦ ሓምሻይ ዘበን መበል 13 ስሩዕ ጉባኤኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ከመሓላልፍ ኢዩ። እቲ ባይቶ ኣብ ዘካይዶ ጉባኤ፥ ተወሳኺ በጀት ዓመተ 2012 መንግስቲ ፌዴራልን ረቂቕ ኣዋጅ ምምሕያሽ ኣሸፋፍና ወፃኢን…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ሓድነት ህዝቢ ንኽሽርሸር ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ፓርቲታት ፖለቲካን መራኸብቲ ሓፋሽን ስጉምቲ ክውሰድ̕ዩ – መንግስቲ Gebremariam Weldegerima Mar 9, 2020 0 ኣዲስ አበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ባህሊ ሓቢርካ ምንባርን ሓድነትን ህዝቢ ንኽሽርሸር ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ፓርቲታት ፖለቲካን መራኸብቲ ሓፋሽን ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ንፋና ብሮድካስቲንግ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ምስ ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተዛትዮም Gebremariam Weldegerima Mar 9, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተዛትዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ኩነታት ሃገር ዘድሃበ ዘተ ከምዝኾነ ተገሊፁ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እናተሰርሑ ዝርከቡ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዘኽእሉ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ Gebremariam Weldegerima Mar 9, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዘኽእል ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ። ብሄራዊ ኮሚቴ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ቫይረስ ኮሮና ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ መዓልቲ ስራሕቱ ገምጊሙ። እቲ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ…