Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ኦሪገን ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ብ5 ሺሕ ሜትሮ ሜዳሊያ ወርቂ ብምርካብ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ኦሪገን ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ብ5 ሺሕ ሜትሮ ሜዳሊያ ወርቂ ብምርካብ ተዓዊታ። ብመሰረት እዚ፥ ጉዳፍ ፀጋይ ንሃገራ ራብዓይ ሜዳሊያ ወርቂ ክተመዝግብ ክኢላ። ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ነቲ ውድድር ብ14 ደቒቕ 46 ሰከንድን 29 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ዝተዓወተት እንትትከውን፥ ዳዊት ስዩም ብ14 ደቒቕ 47 ሰከንድን 36 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ሳልሰይቲ ወፂኣ። ፅቡቕ ናይ ጉያ ጉጅለ ስራሕ እናሰርሐት ዝነበረት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ብ14 ደቒቕ 47 ሰከንድን…
Read More...

ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ለይቲ ውድድር ፍፃመ 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ለይቲ ውድድር ፍፃመ 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ክካየድ ኢዩ። ለይቲ ሰዓት 10፡05 ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍፃመ 5 ሺሕ ሜትሮ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝሳተፉ እንትኾኑ፥ ሙክታር ኢድሪስ፣ ሰለሞን ባረጋን ዮሚፍ ቀጀልቻን ክሳተፉ ኢዮም። ብተመሳሳሊ ወጋሕታ ሰዓት 10፡35…

ሃራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ደቡብ ሱዳን መዘነኣ ማዕረ ተፈላሊያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ መፃረዪ ፀወታ ቻን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ሱዳን ዝገጠመት ሃራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብዘይሽቶ ማዕረ ተፈላሊያ። ኣብ ታንዛኒያ ስታዲየም ቤንጃሚን ምካፓ ዝተኻየደ ፀወታ፥ ሃራዊት ጋንታ ብዙሕ ታሪኽ ኩዕሾ እግሪ ንዘይብላ ሃገራዊት ጋንታ ሱዳን ክትፍትን ኣይከኣለትን፡፡ ናይ መልሲ ፀወታ ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት 24…

ኣብ 800 ሜትሮ ፍርቂ ፍፃመ ኢትዮጵያውያን ኣአትሌታት ክሳተፋ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝሳተፋሉ ፍርቂ ፍፃሜ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ለይቲ ሰዓት 10ን 35 ደቒቕን ክካየድ ኢዩ፡፡ ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ፣ ኣትሌት ደርቤ ኦልተጂን ኣትሌት ሃብታም ኣለሙን ክሳተፋ ኢየን፡፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ርብዒ ፍፃመ እቲ ርሕቐት፥ ኣትሌት ድርቤ ኦልተጂ 1ይቲ፣ ፍሬወይኒ ሃይሉ…

ሴኔጋላዊው ሳዲዮ ማኔ ብሉፅ ኣፍሪካ ተፃዋቲ ኩዕሾ እግሪ እዚ ዓመት ተባሂሉ ብካፍ ተመሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15፣ ሓምለ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ነበር ተፃዋቲ ጋንታ ሊቨርፑልን ናይሕዚ ሓዱሽ ፈራሚ ጋንታ ባየር ሙኑክን ሴኔጋላዊው ሳዲዮ ማኔ ብሉፅ ኣፍሪካ ተፃዋቲ ኩዕሾ እግሪ እዚ ዓመት ተባሂሉ ብካፍ ተመሪፁ። ሳዲዮ ማኔ ኣብ ጋንትኡ ሊቨርፑል ውፅኢታዊ ዓመተ ውድድር ካብ ምሕላፉ ብተወሳኺ፥ ሃገሩ ሴኔጋል ሻምፒዮን ፅዋዕ ኣፍሪካ ንኽትከውን ልዑል ኣስተዋፅኦ ብምግባሩ ኢዩ…

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብ5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮን ናብ ፍፃመ ሓሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብ5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮን ናብ ፍፃመ ሓሊፎም። ብ5 ሺሕ ደቂ ተባዕትዮ መፃረዪ ውድድር ኣትሌት ሰሎሞን ባረጋ ካብ ምድብ ሓደ 3ይ ብምውፃእ ናብ ፍፃመ ሓሊፉ። ካብ ምድብ ክልተ ዮሚፍ ቀጀልቻ 4ይ ብምውፃእ ኣትሌት ሙክታር እድሪስ 7ይ ብምውፃእ ብዝሐሸ ሰዓት ናብ…

ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና  ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብሰለስተ ዓይነታት ውድድር ክሳተፉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና  ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብሰለስተ ዓይነታት ውድድር ክሳተፉ ኢዮም። ብ800 ሜትሮ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ ደቂ ተባዕቲዮ ኣትሌት ቶሎሳ ቦደና ክሳተፍ ኢዩ። ለይቲ ሰዓት 10ን 10ን ኣብ ዝካየድ መፃረዪ 5 ሺሕ ውድድር÷ ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ፣ ኣትሌት ጥላሁን ሃይሌ፣ ኣትሌት ሙክታር…