ስፓርት
10ይ ሰሙን ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ክጅምሩ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)10ይ ሰሙን ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ክካየዱ ኢዮም።
ትሽዓተ ሰሙናት ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝተኻየዱ እንትኾኑ፥ ምድላው ብሄራዊ ጋንታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ስዒቡ 15 ታሕሳስ ከምዝተቛረፀ ይዝከር።
መመሓደሪ ኣካል እቲ ሊግ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምስተዛዘመ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲታት እቲ ሊግ ክቕፅል ንምግባር ሓሲቡ ዝነበረ ይኹን እምበር እታ ሃገራዊት ጋንታ ካብ ምድባ ስለዝተሰናበተት መጀመሪ መዓልቲ እቲ ሊግ ኣፅኒዑ…
Read More...
ዋሊያታት ሎሚ መዓልቲ ምሸት ምስ ካሜሮን መዘነኦም ክፃወቱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን መዘነኣ ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ክተካይድ ኢያ።
ብኣሰናዳእነት ካሜሮን እናተኻየደ ዝርከብ መበል 33 ፅዋዕ ኣፍሪካ እናተሳተፈት ትርከብ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ፥ ሎሚ መዓልቲ ምሸትሰዓት ሓደ ትፅቢት ዝግበረሉ ካልኣይ ፀወታ ምድብ ምስ ኣሰናዳኢት ሃገራዊት ጋንታ ክትገብር ኢያ፡፡…
ኣብ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተሳዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ፈላማይ ፀወታ ምድብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምስ ኬፕ ቨርዴ ፀወታኣ ኣካይዳ።
ብውፅኢቱ ድማ ኢትዮጵያ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተሳዒራ።
ኣብ መጀመርታ እቲ ፀወታ ያሬድ ባዬ ብቀይሕ ካርዲ ምውፅኡ ስዒቡ ዋሊያታት ብጎዶሎ ፀወተኦም ንምዝዛዘም ተገዲዶም ኢዮመ።
መበል 31 ፅዋዕ ኣፍሪካ ካብ ትማሊ ተጀሚሩ…
ጉባኤ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዘካየዶ መበል 13 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ዛዚሙ።
ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈጠረ ክፍተት ኣሰራርሓ ምኽንያት ካብ ፈፃሚ ስራሕ ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ተኣጊደን ንዝነበራ ወይዘሮ ሶፍያ ኣልማሙ ናብ ፈፃሚት ስራሕ ቦተአን ንኽምለሳ ውሳነ ሓሳብ ናብቲ ጉባኤ ቀሪቡ ብሙሉእ ድምፂ…
ኣብ ከተማ ሃዋሳ እናተኻየደ ዝነበረ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ብዝካየዱ ፀወታታት ክዛዘም ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ትሽዓተ ናይ ፀወታ ሰሙናት ዘተኣናገደ ናይ ሃዋሳ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ብዝካየዱ ፀወታታት ክዛዘም ኢዩ።
ሎሚ መዓልቲ ካብ ሞንጎ ዝግበሩ ፀወታታት ጋንታ ኣዳማ ከተማን ባህርዳር ከነማን ሰዓት ትሽዓተ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።
ነበር ኣሰልጣኒ ባህርዳር ከነማ ፋሲል ተካሊኝ ንጋንታ ኣዳማ ከተማ ሒዙ…
ጋንታ ኣስቶንቪላ ንስቲቨን ጄራርድ ኣሰልጣኒ ገይራ ሾይማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እንግሊዛዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ንስቲቨን ጄራርድ ኣሰልጣኒ ገይራ ሾይማ።
ኣስቶንቪላ ንዲን ስሚዝን ካባረሩ ድሕሪ ምብራራ ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ንምርካብ እናኣለሸት ፀኒሓ ኢያ።
ሎሚ መዓልቲ ድማ ነበር ተፃዋቲ ጋንታ ሊቨርፑል ስቲቨን ጄራርድ ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ገይራ ሾይማ ኣላ፡፡
ኣሰልጣኒ ስኮትላንዳዊት ጋንታ ሬንጀርስ ዝነበረ…
ኢትዮጵያ ተዓዋቲት ውድድር ፅዋዕ ሴካፋ ኮይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ብዙር ካብ ዝገበረቶም 4 ፀወታታት ኩሎም ብምስዓር ሻምፒዮን ኮይና።
እታ ሃገራዊት ጋንታ 12 ነጥቢ ብመሓዝ 12 ምስ ዝነበራ ሃገራዊት ጋንታ ዩጋንዳ ናይ መወዳእታ ፀወታ ሎሚ መዓልቲ ዝተራኸባ እንትኾና፥ ኢትዮጵያ 3 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ተዓዋቲት ኮይና።…