Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ትማሊ ምሸት ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ተዓዊቱ። ብምድብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ሰለሞን ባረፋ ነቲ ርሕቐት ቀዳማይ ኮይኑ እንትዛዝም፥ ሙክታር እንድሪስ ደግሞ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ዛዚሙ፡፡ ኣዲሱ ይሁኔ ኣብቲ ምድብ 5ይ ኮይኑ ከምዝዛዘመ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana ድረ ገፅና…
Read More...

ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ንጋንታ ኣዳማ ከተማ ስዒራታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ መበል 26 ሰሙን ፀወታ ቤትኪንግ ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ንጋንታ ኣዳማ ከተማ 2 ን 1 ስዒራታ። ኣብ ስታዲየም ባህርዳር ዝተኻየደ ፀወታ ጋንታ ኣዳማ ከተማ ክሳብ ዕረፍቲ ብብሕታዊ ሽቶ ኣሜ መሓመድ እናመርሐት ትፅናሕ እምበር ድሕሪ ዕረፍቲ ኣቡበከር ናስር ብዘቑፀረን ክልተ ሽቶታት ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ተዓዋቲት…

ኣትሌት ማሞ መንግስቱን አትሌት ዝናሽ ጋረደውን ውድድር ማራቶን ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ተዓዊቶም፡፡

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ማሞ መንግስቱን አትሌት ዝናሽ ጋረደውን ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝተኻየደ መበል 38 ውድድር ማራቶን ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ተዓዊቶም፡፡ ኣብቲ ውድድር ሚኒስትር ዴኤታ ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነትን ተቀዳሚ ከንቲባ ከተማ ባህርዳር ዶክተር ድረስ ሳህሉ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም፡፡ ብደቂ…

ኣብ መበል 22 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ፈላሞት ሜዳሊያታት ወርቂን ብሪን ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 22 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ፈላሞት ሜዳሊያታት ወርቂን ብሪን ረኺባ። እቶም ሜዳሊያታት ብ10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ዝተረኸቡ ኢዮም። ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ሞገስ ጥዑማይን ኣትሌት ጭምዴሳ ደበላን ተኸታቲሎም ብምእታው ንሃገሮም እቶም ሜዳሊያታት ከምፅኡ ምኽኣሎም ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ…

መበል 22 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞሪሺየስ ዝካየድ መበል 22 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ተጀሚሩ። ኣብቲ ሻምፒዮና ኢትዮጵያ 28 ደቂ ኣንስቲዮ ዝርከበኦም 54 ኣትሌታት እተሳትፍ እንትትኮን፥ ኣብ መኽፈቲ ዕለት እቶም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ዝተፈላለዩ መፃረዪ ውድድራት ክካፈሉ ኢዮም። ብ100 ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ራሄል ተስፋይን ያብስራ ጃርሶን፣…

ቀዳማይ ሃገር ለኸ ኦሎምፒክ መናእሰይ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ግንቦት ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሃገር ለኸ ውድድር ኦሎምፒክ መናእሰይ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ተጀሚሩ። ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት እቲ ፀወታ፥ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሊዳሞ፣ ተወከልቲ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣፍሪካን ኬንያዊ ኣትሌት ፖል ቴርጋትን ተረኺቦም። እቲ ፀወታ…

ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዝተሳተፈ ትሕቲ 20ን 18 ዓመት ልኡኽ ኣቀባብላ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ን4ይ ግዘ ኣብ ዳሬሰላም ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ምብራቕ ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ዝተሳተፈ ትሕቲ 20ን 18 ዓመት ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ተገይሩሉ። ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ሚኒስትር ዲኤታ ባህሊን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት፣…