Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀት ብሄራዊ ስታዲየም ንምጅማር ዘኽእል ስነ-ስርዓት ፌርማ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀት ብሄራዊ ስታዲየም ንምጅማር ዘኽእል ስነ-ስርዓት ፌርማ ተሳሊጡ። ስራሕቲ ተቛራፃይነት ብኮርፖሬሽን ስቴት ኮንስትራክሽን ኢንጅነሪንግ ቻይና፤ ኤም ኤች ኢንጅነሪንግ ድማ ብኣማኻሪነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ገርጂ ዝህነፅ ዘሎ ብሄራ ስታዲም ኣብ ክልተ ምዕራፋት ተኸፊሉ እናተሃነፀ ይርከብ። ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀት ናይቲ ስታዲየም ንምጅማር ዘኽእል ስነ-ስርዓት ፌርማ ድማ ኮሚሽን ስፖርት ኢትዮጵያ ምስቲ ትካል ተቛራፂ ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ተፈራሪሙ ኣሎ። ህንፀት…
Read More...

ኣትሌት ብርሃኑ ፀጉ ንኣርባዕተ ዓመታት ካብ ውድድር ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ብርሃኑ ፀጉ ዝተኸልከለ ቅመም ከምዝተጠቐመ ብምርግጋፁ ንኣርባዕተ ዓመታት ካብ ውድድር ከምዝተኣገደ ተገሊፁ። እቲ ኣትሌት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዴንማርክ ኮፐንሃገን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን “እቲ ቀመም ተጠቒሙ ኢዩ” ተባሂሉ ብምጥርጣሩ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ መርመራ ክግበረሉ ከምዝፀንሐ ይዝከር።…

ሻምፒዮና ፅዋዕ ኣውሮፓ 2020 ንሓደ ዓመት ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብዚ ዓመት ክካየድ ተሓሲቡሉ ዝነበረ ሻምፒዮና ፅዋዕ ኩዕሶ እግሪ ኣውሮፓ 2020 ንሓደ ዓመት ንኽናዋሕ ተወሲኑ። እቲ ሻምፒዮና ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ሰነ 2020 ጀሚሩ ንሓደ ወርሒ ንኽካየድ መርሃግብሪ ወፂኡሉ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ይኹን እምበር እተ ሻምፒዮና ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ንሓደ ዓመት ንኽናዋሕ ማሕበር…

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዋና ኣሰልጣኒኣን ሓገዝቶምን አጊዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓ ቦርድ ስራሕ ማሕበር ስፖርት ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ልዕሊ ዋና ኣሰልጣኒ፣ ሓገዝቲ ኣሰልጠንቲን ኣሰልጣኒ ሓላዊ ልዳትን ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ እገዳ ምንባሩ ኣፍሊጡ። እቲ ኣመራርሓ ቦርድ ስራሕ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፥ ኣብ እዋናዊ ኩነታት እታ ጋንታ ብዕምቆት ድሕሪ ምግምጋም ውሳነ ከምዘመሓላለፈ ገሊፁ። ብመሰረት እዚ…

ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ሃገር ኣቋራፂ ሻምፒዮና ኣፍሪካ ንምስታፍ ምድላው ንክገብሩ ናብ ካምፕ ዘእተዎም ኣትሌታት በቲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ሃገር ኣቋራፂ ሻምፒዮና ኣፍሪካ ንምስታፍ ምድላው  ንክገብሩ ናብ ካምፕ ዘእተዎም ኣትሌታት በቲኑ። እቶም ዝተመልመሉ ኣሰልጠንቲን ኣትሌታትን ኢትዮጵያ ብምውካል 30 መጋቢት 2012 ዓ.ም ኣብ ቶጎ፣ ሎሜ ንኽሳለጥ ኣብ ዝተሓሰበ መበል ሻድሻይ ዙር ሃገር ኣቋራፂ ሻምፒዮና ኣፍሪካ ዝሳተፉ ኢዮም።…

ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኣርሰናል ከካይደኦ ዝነበራ ፀወታ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ ምሸት ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኣርሰናል ከካይደኦ ዝነበራ ፀወታ ፕሜር ሊግ እንግሊዝ ብምኽንያት ስግኣት ቫይረስ ኮሮና ንኻሊእ ግዘ ተናዊሑ። እቲ ፀወታ ንኻሊእ እዋን ክናዋሕ ዝኸኣለሉ ቀንዲ መበገሲ ምኽንያት፥ ወናኒ ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ኦሎምፒያኮስን ኖቲንግሃም ፎረስትን ኢቫንጄሎስ ማሪናኪስ ብዝተገበረሎም ምርመራ በቲ ቫይረስ…

ኣብ ካልኣይ ዙር ፈላማይ ፀወታ ፕሚየርሊ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ እንትዕወት ወልዋሎ ነጥቢ ተማቒላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 16 ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታታት ቀፂሎም ውዒሎም። ካብ ሜዳኣ ወፃኢ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ዝተራኸበት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ብብሕታዊት ሽቶ ኦኪኪ ኣፎላቢ 1 ን 0 ተዓዊታ። በዚ ምኽንያት ድማ ነቲ ሊግ እናመርሓ ምስዝርከባ ጋንታታት ዘለዋ ነጥቢ ምምፅባብ ናይ…