Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኣብ መበል 11 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ንስሑል ሽረ ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ

ኣብ መበል 11 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ንስሑል ሽረ ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 11 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ቀፂሉ ውዒሉ። ኣብ ስታዲየም ትግራይ ንጋንታ ስሑል ሽረ ዘተኣናገደት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ብብሓታዊት ሽቶ ኦኪኪ ኣፎላቢ 1 ን 0 ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ። ኣፍቲ ፀወታ ብወገን ስሑል ሽረ ዲዲዬ ሊብሬ ኣብ መበል 12 ደቒቕ ብቐይሕ ካርዲ ካብ መይዳ እንትባረር፥ ንመቐለ…
Read More...

ጋንታታት ኢትዮጵያ ቡናን ቅዱስ ጊዮርጊስን ንመህነፂ ስታዲየም ዝኸውን ካርታ መረጋገፂ ትሕዝቶ መሬት ተዋሂበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንጋንታታት ኢትዮጵያ ቡናን ቅዱስ ጊዮርጊስን ንመህነፂ ስታዲየም ዝኸውን ካርታ መረጋገፂ ትሕዝቶ መሬት ሂቡወን። እቲ ካርታ መረጋገፂ ትሕዝቶ መህነፂ ስታዲየምን ማእኸል ስፖርትን፥ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ንኽልቲአን ጋንታታት ከምዘረከቡወን ካብ ፕሬስ ሴክሪታሪ እቲ…

ውፅኢት 10ይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትማሊ ካብ ዝተኻየዱ ፀወታታት ዓስራይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ኣርባዕተ ፀወታታት ብምስዕዓር ተዛዚሞም። ብመሰረት እዚ፦ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርስቲ 1- 1 ኢትዮጵያ ቡና ቅዱስ ጊዮርጊስ 1 - 0 ባህርዳር ከተማ ፋሲል ከነማ 1 - 0 ሲዳማ ቡና አዳማ ከተማ 2 – 0 ሃድያ ሆሳእና…

ኣብ ማራቶን ዱባይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ማራቶን ዱባይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብኽልቲኡ ፆታ ተማሪሖም ብምእታው ዓወት ኣመዝጊቦም። ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ኦሊቃ አዱኛ 2 ሰዓት፣ 6 ደቒቓን 15 ሰኮንድን ብምእታው ተዓዋቲ እቲ ውድድር ኮይኑ። ኬንያዊ ኣትሌት ኤሪክ ኪፕሮኖ 2ይ እንትወፅእ፥ ካብ ሳልሳይ ክሳብ ዓስራይ ዘሎ ደረጃ ድማ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት…

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንመፃረዪ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ ሻውዓይ ምድብ ተደልዲላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንመፃረዪ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ ዝካየዱ ግጥማት ኣብ ሻውዓይ ምድብ ተደልዲላ። እታ ሃገራዊት ጋንታ፥ ምስ ጋና፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ዚምባብወን ኢያ ተመዲባ ዘላ። እቲ ምድብ ድልድል ኣብ ከተማ ካይሮ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ከካብ ምድቡ ዝሓለፋ ሃገራውያን ጋንታታት መሊሰን ብዕጫ ተደልዲለን…

ወልዋሎ መይድኡ ንክግምገመሉ ሕቶ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ወልዋሎ ንዝሓለፉ ኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ ፅገና ዝፀንሐን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2012 ዓ.ም ክዛዘም ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉን መይድኡ ብኣወዳደርቲ ኣካላት ንክግምገመሉ ብደብዳበ ሕቶ ኣቕሪቡ። እቲ ሜዳ ብዝሓሸ ፅሬት ከምዝተሰርሐ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ተፃወትቲ ማሊያ ዝቕይርሉ ክፍሊ፣ ሓፁር እቲ ሜዳን ካልኦት ተመሳሰልቲ…

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ኣትሌት ለሜቻ ግርማን ብሉፃት ኣትሌታት መናእሰይ ኣፍሪካ ብምዃን ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮንፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ኣብቲ ዓውዲ ዝበለፁ ኣትሌታትን ኣሰልጣኒን 2019 ዓ.ም ዕላዊ ገይሩ። ስለዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኣሰልጣኒ ሁሴን ሺቦ ዝበለፀ ኣሰልጣኒ ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ዓመተ 2019 ብምዃን ተመሪፆም። ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ኣትሌት ለሜቻ ግርማን ድማ ብኽልቲኡ ፆታ ብሉፃት ኣትሌታት መናእሰይ ብምዃን ተዓዊቶም።…