Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ትሕቲ 18ን 20 ዓመት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 13 ሻምፒዮና ትሕቲ 20 ዓመትን 4ይ ሻምፒዮና ትሕቲ 18 ዓመትን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ይካየድ ኣሎ፡ ኣብቲ ውድድር ካብ ሰሸሞንተ ክልላት፣ ምምሕዳር ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ከምኡ እውን ካብ ጋንታታትን ትካላትን ዝተውፃእፅኡ ኣትሌታት ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ። ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ስለሺ ስህን÷ ዕላማ እቲ ሻምፒዮና ተተካእቲ መናእሰይ ብቕዓቶም ንኸሪኡ ኣብ ናይጄሪያ ኣብ ዝካየድ ትሕቲ 18ን 20ን ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ…
Read More...

ውድድር ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ 2024/25 ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ውድድር ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ 2024/25 ሎሚ ብዝተካየዱ መርሃ ግብሪታት ፍፃመ ረኺቡ፡፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየዱ ፀወታታት ማንቼስ ሲቲ፣ቼልሲ፣ ኣርሰናልን ማንቸተስተር ዩናይትድን እንትዕወት ሰዓርቲ እቲ ፕሪምየር ሊግ ሊቨርፑል ምስ ክሪስታል ፓላስ ማዕረ ተፈላልያ። እቲ ውፅኢት ስዒቡ ሻምፕዮን ሊቨርፑል ብ84 ነጥቢ…

ኣዳማ ከተማ ንንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መርሃ ግብሪ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ መበል 31 ሰሙን ኣዳማ ከተማ ንባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ። ኣብ ስታድዩም ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዳማ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ኣዳማ ከተማ ነቢል ኑሪ ዘመዝገባ ሸቶታት ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ወፂኣ። እቲ ውፅኢት ስዒቡ ኣዳማ ከተማ ነጥባ ናብ 29 ልዕል…

ዣቢ ኣሎንሶ ብዕሊ ኣሰልጣኒ ሪያል ማድሪድ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሪያል ማድሪድ ስፔናዊውን ኣሰልጣኒ ዣቢ ኣሎንሶ ናይታ ክለብ ኣሰልጣኒ ገይሩ ምሻሙ ኣፍሊጣ። ኣሰልጣኒ ዣቢ ኣሎንሶ ብመሰረት ስምምዕነት ጣሊያናዊ ካርሎ ኣንቸሎቲ ብምትካእ ኣብ 2028 ከ.ም.ኣ ሪያል ማድሪድ ንምስልጣን ፈሪሙ።

ኣብ ቦቆጂ ጉያ 12 ኪ.ሜ ኣትሌት መሰረት ጣፋን ስዮም ድሪባን ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ራብዓይ ኣብ ቦቆጂ ‘ኢትዮጵያ ክፈልጠኪ’ ጉያ 12 ኪ.ሜ ውድድር ሎሚ እንትካየድ ኣትሌት መሰረት ጣፋን ስዮም ድሪባን ተዓዊቶም፡፡ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ውድድር ሚኒስተር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም። ሚኒስትሪ ቱሪዝም ምስ ዓብዩ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ብሓባር ብምትሕብባር ዘዳለዎ…

ሞሓመድ ሳላህ ኮኸብ ተፃዋታይ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ እዚ ዓመት ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ጋንታ ሊቨርፑል ግብፃዊ ሞሓመድ ሳላህ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብሉፅ ተፃዋታይ ዘበነ ውድድር 2024/25 ብምዃን ተመሪፁ፡፡ ሳላህ ኣብዚ ውድድር ዓመት ንሊቨርፑል ኣብ ዝገበሮም 37 ፀወታታት፤ 28 ሸቶታት ኣመዝጊቡ 18 ንሸቶ ዝኾና ኮዓሻሹ ኣመዓራሪዩ ከቐብል ክኢሉ፡፡ 28 ሸቶታት ብምምዝጋብ…

ግራቨንበርግ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብሉፅ መንእሰይ ተፃዋታይ እዚ ዓመት ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ማእኸል ጋንታ ሊቨርፑል ግራቨንበርግ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብሉፅ መንእሰይ ተፃዋታይ ዘበነ ውድድር 2024/25 ብምዃን ተመሪፁ፡፡ ወዲ 23 ዓመት ተፃዋታይ ግራቨንበርግ ካብ እንግሊዛዊ ትሬንት ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ ቀፂሉ መንእሰይ ተፃዋታይ ሽልማትን ዝሰዓረ 2ይ ተፃዋታይ ጋንታ ሊቨርፑል ክኸውን ክኢሉ፡፡…