Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ባህር ዳር ከተማ ንኢትዮጵያ መድን ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መርሃ ግብሪ መበል 28 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ባህር ዳር ከተማ ንኢትዮጵያ መድን 2 ን 1 ስዒራታ፡፡ ሰዓት 10፡00 ኣብ ኣርቲፊሻል ሜዳ ሃዋሳ ዝተኻየደ ፀወታ ባህር ዳር ከተማ ሙጂብ ቃሲምን ሄኖክ ይበልጣልን ዘቑፀርዎ ሽቶታት ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ወፂኣ፡፡ ንኢትዮጵያ መድን ካብ ስዕረት ዘየድሓነት ሸቶ ረመዳን የሱፍ ኣመዝጊቡዋ።
Read More...

ሲዳማ ቡናን መቻልን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ በል 28 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሲዳማ ቡናን መቻልን ተራኺበን 2 ን 2 ማዕረ ተፈለሊየን፡፡ ኣብቲ ፀወታ መስፍን ታፈሰን በዛብህ መለዮን ንሲዳማ ቡና ከምኡ እውን ፊሊሞን ገብረፃድቕን ኣቤል ነጋሽን ንመቻል ሸቶታት ኣመዝጊቦም፡፡ እቲ ውፅኢት ስዒቡ መቻል ሓደ ደረጃ ብምምሕያሽ ብ40 ነጥቢ ኣብ 5ይ ደረጃ…

ሃዋሳ ከተማ ንድሬዳዋ ከተማ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 28 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ከተማ ሃዋሳ ንድሬዳዋ ከተማ 1ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ። ንሃዋሳ ከተማ ብሕታዊት ሽቶ ዘቑፀረ ታፈሰ ሰለሞን ናይ ዓወት ሸቶ ኣብ መረብ ኣዕሪፍዋ። ሃዋሳ ከተማ ናብ ዓወት እንትምለስ ድሬዳዋ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ፀወታታት ምዕዋት ኣይከኣለትን። እቲ ውፅኢት ስዒቡ…

ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኣትሌቲክ ቢልባኦ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ካልኣይ እግሪ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ዩሮፓ ሊግ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ኦልድትራፎርድ ምሸት ሰዓት 4 ንኣትሌቲክ ቢልባኦ ክተተኣናግድ ኢያ። ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ማንቼስተር ዩናይትድ ናብ ስፔን ኣምሪሓ 3 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓራ ይዝከር። ብኻሊእ መዳይ ክልቲአን ጋንታታት ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ…

ወላይታ ድቻ ንኣርባምንጭ ከተማ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 28 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወላይታ ድቻ ንኣርባምንጭ ከተማ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ፡፡ ወላይታ ድቻ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ሙሉቀን ኣዲሱን ካርሎስ ዳምጠውን እንተመዝግቡ፤ ብሕታዊ ሸቶ ኣርባምንጭ ከተማ ድማ ኣህመድ ሁሴን ኣመዝጊቡዋ፡፡ ወላይታ ድቻ ድሕሪ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ናብ…

ተረፍ ፀወታታት መበል 28 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ናይ ሜዳን ሰዓትን ለውጢ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ሃዋሳ እናወቕዐ ብዝርከብ ከቢድ ዝናብ ምኽንያት መበል 28 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተረፍ ፀወታታት ለውጢ መፃወቲ ሜዳን ሰዓትን ከምዝተገበረ ኮሚቴ ውድድርን ስነ ስርዓትን ኣፍሊጡ። እቶም ፀዋታታት ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ንምክያድ መርሃ ግብሪ ዝወፅአ ይኹን እምበር እናወቕዐ ብዝሎ ከቢድ ዝናብ ምኽንያት…

ፒኤስጂ ወይስ ኣርሰናል? ኣብ ሙኒክ ንዝካየድ ፍፃመ ….

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፀወታ መልሲ ፍርቂ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ፒኤስጂ ኣብ ሜዳኣ ፓርክ ደ ፕሪንስ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ንኣርሰናል ክተተኣናግድ ኢያ። ናይ ሎሚ መዓልቲ ተናሓናሕቲ ፍርቂ ፍፃመ ጋንታታት ኣብ ታሪኸን ፅዋዕ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ተዓዊተን ኣይፈልጣን። ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ኤሚሬትስ ኣብ ዝገበረኦ ቀዳማይ እግሪ…