Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ሎሚ ምሸት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 17 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅል ሓሙሽተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም፡፡ ኣጋግዘ ሰዓት 11 ኣብ ዝግበሩ ፀወታታት ጋንታ ቼልሲ ናብ ስታዲየም ጉዲሰን ፓርክ ብምምራሕ ምስ ኤቨርተን ክትራኸብ ኢያ። ብኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም ትምራሕ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ኦልድትራፎርድ ንቦርንማውዝ ክተተኣናግድ ኢያ፡፡ ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝግበሩ ፀወታታት ፉልሃም ምስ ሳውዝሃምፕተን ከምኡ እውን ሌስተር ሲቲ ምስ ዎልቭስ ክራኸባ ኢየን፡፡ ምሽት ሰዓት 1፡30 ናይዚ ሰሙን…
Read More...

መበል 28 ሓፈሻዊ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 28 ሓፈሻዊ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ። ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ፥ ኣትሌቲክስ ንኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ብምፍላጥ ልዑል ግደ ዘለዎን ልዕሊ ውድድር ከምዝኾነን ገሊፀን። መንግስቲ ነቲ ዓውዲ ፍሉይ ቆላሕታ ከምዝህቦ እውን ተዛሪበን። ኣብቲ ጉባኤ ቃለ ጉባኤ መበል 27…

ኣብ ናይ ሎሚ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣስቶንቪላ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ዝገብርኡ ፀወታ ልዑል ቀልቢ ዝሰሓበ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 17 ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ክካየድ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ፀወታ እንግሊዝ ኣስቶንቪላ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ሰዓት 9፡30 ድሕሪ ቀትሪ ዝገብርኡ ግጥም ልዑል ቀልቢ ዝሰሓበ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ሎሚ መርሃ ግብሪ ብረይንት ፎርድ ምስ ኖቲንግ ሃም ፎረስት፣ ኢፕስዊች ታውን ምስ ኒው ካስትል፣ ዌስት ሃም…

አትሌት ድርቤ ካብ ፅገ ገብረሰላማን ሓጎስ ገብረህይወትን ብምቕፃል ኣብ ውድድር ትራክ ግራንድ ስላም ንምስታፍ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌት ድርቤ ወልተጂ መድረኽ ውድድር ውልቀ ኣብ ዝኾነ ትራክ ግራንድ ስላም ንምስታፍ ዘኽእል ስምምዕነት ኩንትራት ፈሪማ፡፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ብ1 ሺሕም 500 ሜትሮ ርሕቐት ብምውድዳር ትፍለጥ ኣትሌት ድርቤ ኣብ 2025 ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝግበር ውድድር ትራክ ግራንድ ስላም ክትሳተፍ ኢያ፡፡ ኣትሌት ድርቤ ካብ ፅገ…

ንጥቕዓት ማሕበራዊ ሚዲያ ንዝተቓልዑ 25 ኣትሌታት ደገፍ ኤኣይ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌቲክስ ዓለም ንጥቕዓት ማሕበራዊ ሚዲያ ንዝተቓልዑ 25 ኣትሌታት ዝተፈላለያ ሃገራት ደገፍ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ(ኤኣይ) ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ኣብ ዝገበሮ ናይ ኣርባዕተ ዓማውቲ መፅናዕቲ እቶም ኣትሌታት ንዝኸፍአ መጥቃዕቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ተቓላዕቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ። ስለዝኾነ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ…

ሙድሪክ ብግዚያዊነት ካብ ዓለም ለኸ ውድድራት ኩዕሾ እግሪ ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩክሬናዊ ተፃዋታይ ጋንታ ቼልሲ ሚካዬሎ ሙድሪክ ብግዚያዊነት ካብ ዓለም ለኸ ውድድራት ኩዕሾ እግሪ ከምዝተኣገደ ተረጋጊፁ፡፡ እቲ ተፃዋታይ ዘይተፈቐደ መበረታትዒ ቅመም ተጠቒሙ ኢዩ ብዝብል ምርመራ እናተገበረሉ ብምዃኑ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ኢዩ ተባሂሉ፡፡ ጋንትኡ ቼልሲን ባዕሉ ሙድሪክን ማሕበር ኩዕሾ እግሪ እንግሊዝ እናካየዶ…

ኣትሌት ሱቱሜ ከበደ ኣብ ኮልካታ ውድድር 25 ኪሎ ሜትር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ሱቱሜ ከበደ ኣብ ህንዲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 25 ኪሎ ሜትሮ ኮልኮታ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ተዓዊታ። እታ ኣትሌት ነቲ ውድድር 1፡19፡17 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ቀዳመይቲ ወፂኣ። ንኣትሌት ሱቱሜን ስዒባ ኬንያዊት ኣትሌት ቼፕንግኖ ካልአይቲ ብምውፃእ እንትትዛዝም፤ ባህሬናዊት ኣትሌት ጂሳ ድሞ ሳልሰይቲ…