Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ምክክር ኢትዮጵያውያን ብሰላማዊን መካተቲን መገዲ ንሕድሕዶም ክደማምፁ ዕድል ፈጢሩ እዩ – ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበሰብ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣20  ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያውያን ብሰላማዊን መካተቲን መገዲ ንሕድሕዶም ክደማምፁ ዕድል ፈጢሩ እዩ ኢሉ ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፤ እቲ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያውያን ብሰላማዊን መካተቲን መገዲ ንሕድሕዶም ክደማምፁ፣ ብዛዕባ ሃገራዊ ጉዳያት ክዛተዩ፣ ምርድዳእ ክፈጥሩን ሓባራዊ ፍታሕ ክእልሹን ፅቡቕ ዕድል ፈጢሩ ምዝዛሙ ንኢትዮጵያ ወሳኒ ዝኾነ ምዕራፍ ታሪኽ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ኣብዚ ከይዲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ከምዝተሳተፉ ብምፅራሕ፤ ከም ኣማኸርቲ፣ ተሳተፍቲ፣ ኣማኸርቲ ኮሚሽን፣ ተዓዘብቲ፣ ኣባላት ጉጅለ ሰብ ሞያ ብምዃን፣ ከምኡ እውን ብዛዕባ ምኽክር ግንዛቤ ብምፍጣር ኣብ ዝሰርሑሎም ጉዳያት ናይ ኣጀንዳ እታዎታት ብምቕራብን ዝተፃወቱዎ ግደ ሲቪል ማሕበረሰብ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ሃናፂን ሓላፍነት ዝተመልኦን ኣስተዋፅኦ ከበርክት ከምዝኽእል ዘረጋገፀ እዩ ኢሉ።

ካብቲ ከይዲ ብዙሕ ዝተምሃርና እንትንከውን፤ ብዋናነት ድማ፣ ንትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ሃናፂ፣ መካተቲን መኸአሊን ናይ ስራሕ ከባቢ እንተተፈጢሩሎም ኣብ ሃገራዊ ከይዲታት ዘበርክቱዎ ኣስተዋፅኦ ብዝበለፀ ጎሊሁን ውፅኢታዊ ኮይኑን ከም ዝመፅእ ገሊፁ።

ቀፃሊን ዝያዳ ወሳኒን ተግባር ሲቪል ማሕበራት ድማ ምኽረ ሓሳባት እቲ ምኽክር ናብ ጭቡጥ ስጉምቲ ምቕያር፣ ተሳትፎ ህዝቢ ክቕፅል ምግባር፣ ምትእምማን ምጥንኻር፣ ፍልልያት ብጎንፂ ወይ ብሓይሊ ዘይኮነስ ብዘተን ብምልዛብን ዝፍትሑሉ ባህሊ ምምዕባልን ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ብምዃኑ ድማ ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ፤ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰባት ብናፅነት፣ ብሓላፍነትን ብውፅኢታውነትን ኣብ ኣተገባብራ ምኽረ ሓሳባት ሃገራዊ ዘተ፣ ህንፀት ሰላምን ዲሞክራሲያዊ ባህልን ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ዝኽእሉሉ ሓጋዚ ዝኾነ ሲቪክ ምህዳር ክጠናኸር ፃውዒት ኣቕሪቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.